bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 41
Genesis 41
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ፈርዖን ሕልሚ ሓለመ፤ ብሕልሙ ኸዓ ኣብ ወሰን ሩባ ደው ኢሉ ነበረ።
2
እንሆ ድማ፥ ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብቲ ሰውሒ ሳዕሪ ኽበልዓ ረአየ።
3
ደድሕሪአን ድማ፥ ካልኦት ሸውዓተ ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት፥ ኣብ ወሰን ሩባ ደው በላ።
4
እተን ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም፥ ነተን ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም ወሓጣአን፤ ፈርዖን ድማ ተበራበረ።
5
ተመሊሱ ኸዓ ደቀሰ፤ ንኻልኣይ ጊዜውን ሕልሚ ሓለመ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ፍሩያትን ብፁሓትን ጉምቦታት ሸዊት ወፃ።
6
ድሕሪአን ድማ፥ እንሆ ሸውዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ።
7
እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ጉምቦ ሸዊት ወሓጣአን። ፈርዖን ከዓ ተበራበረ እሞ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ።
8
ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።
9
ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ንፈርዖን፦ “ኣነ ሎሚ በደለይ ዘከርኩ።
10
ኦ ፈርዖን! ብሓሻኽርካ ብኣይን ብሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ተቘጢዕኻ ኣብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣእሰርካና።
11
ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ፥ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለምና።
12
ኣብኡ ድማ ኣገልጋሊ ናይቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ ዕብራዊ መንእሰይ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፤ ንሱ ኸዓ ሕልምታትና ፈትሐልና፤ ንነፍሲ ወከፍና ድማ ኸከም ሕልምና ነገረና።
13
ከምቲ ዝፈትሐልና ድማ ኾነ፤ ንኣይ ናብ ናይ ቀደም ሽመተይ መለስካኒ፤ ነቱይ ከዓ ሰቐልካዮ” በሎ።
14
ሽዑ ፈርዖን ልኢኹ ንዮሴፍ ፀውዖ፤ ቀልጢፎም ድማ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ርእሱ ላፅዮም ክዳኑ ለዊጦም ድማ፥ ናብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረብዎ።
15
ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ሕልሚ ሓሊመ፥ ዝፈትሐለይ ስኢነ፤ ንስኻ ግና ሕልሚ ኸም እትፈትሕ ሰሚዐ ኣለኹ” በሎ።
16
ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
17
ፈርዖን ድማ፦ “እንሆ፥ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ወሰን ሩባ፥ ደው ኢለ ነበርኩ።
18
ሸውዓተ ስቡሓትን ፅቡቓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ሩባ ወፂአን፥ ሳዕሪ ይበልዓ ነበራ።
19
ደድሕሪአን ካልኦት ሸውዓተ፥ ዝዓበራን ትርኢተንውን የመና ዝሓመቓን ኣላሕም ወፃ። ከምኣተን ዝኸፍአን ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ እኳ ኣይረአኹን።
20
እተን ዝዓበራን ዝሓመቓን ኣላሕም ድማ ነተን ሸውዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ከፍቲ ወሓጣአን፤
21
ምስ ወሓጣአን ከዓ፥ ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኣይተፈልጠን፤ ትርኢተን ከም ቀደመን ዕባሩ ነበራ። ድሕሪዙይ ተበራበርኩ።
22
ከምኡውን ብሕልመይ ሸውዓተ ፍሩያትን ፅቡቓትን ጉምቦታት ሸዊት፥ ካብ ሓንቲ ብርዒ እንትወፃ ረአኹ።
23
ደድሕሪአን ድማ እንሆ፥ ዝመንመናን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን፥ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ።
24
እተን ቀጠንቲ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊት ወሓጣአን። እዙይ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፥ ዝፈትሐለይ ግና ኣይረኸብኩን” በሎ።
25
ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ “ሕልሚ ፈርዖን ሓደ እዩ። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ ንፈርዖን ነጊርዎ ኣሎ።
26
እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ከፍቲ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊትውን፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ ሕልሙ ሓደ እዩ።
27
እተን ደድሕሪአን ዝወፃ ሸውዓተ ዕባሩን ሕማቓት ከፍትን ከዓ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን። እተን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት እየን።
28
እቲ ንፈርዖን ዝነገርኩዎ እዙይ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ እዩ ንፈርዖን ዘርአዮ።
29
እንሆ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዙሕ ፅጋብ ዝኾነለን ሸውዓተ ዓመታት ክመፃ እየን።
30
ብድሕሪአን ከዓ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ክመፃ እየን። ብኣኣተን እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ክትጕዳእ እያ።
31
ካብቲ ደሓር ዝኸውን ጥሜት ዝተልዓለ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከዓ የመና ኽብርትዕ እዩ።
32
እቲ ንኻልኣይ ጊዜ ደጊምካ ምሕላምካ፥ እቲ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘርፀ እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ ቐልጢፉ ኽገብሮ እዩ።
33
“ሕዚ ድማ፥ ኦ ፈርዖን፥ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ድለ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ሹሞ።
34
ከምኡ ኸዓ በዘን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ዝእክቡ ሹመኛታት በብምድሩ ሹም።
35
ናይዘን ዝመፃ ዘለዋ ዓመታት ፅጋብ፥ ዝብላዕ ዝኾነ ዅሉ ይኣክቡ። ነቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ክኸውን፥ ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርዖን ኣብተን ከተማታት ይኣክብዎን ይሓልውዎን።
36
እቲ እኽሊ ድማ፥ በተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝመፃ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት፥ ነታ ሃገር ምእንቲ ክኸውን ይተዓቘር። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ኣይትጥቃዕን እያ” በሎ።
37
ፈርዖንን ሹመኛታቱን እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ፅቡቕ ኮይኑ ረኸብዎ።
38
ፈርዖን ከዓ ንሹመኛታቱ፦ “ከምዙይ ዝበለ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብዶ ኽንረክብ ኢና?” በሎም።
39
ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ገሊፁልካ እዩሞ፥ ከማኻ ዝበለ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ የለን።
40
ስለዙይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስተይ ሸይመካ ኣለኹ። ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፤ ኣነ ብዙፋነይ ጥራሕ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ።
41
መሊሱ ፈርዖን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ሸይመካ ኣለኹ” በሎ።
42
ቀለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ድማ፥ ንዮሴፍ ኣብ ኢዱ ገበረሉ፤ ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽ ከደኖ፤ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ገበረሉ።
43
ኣብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣቐመጦ፤ እቶም ኣዋጅ ነጋሮውን ዓው ኢሎም “ንዮሴፍ ስገዱ” እናበሉ ቐቅድሚኡ ይኸዱ ነበሩ።
44
ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ኣነ ፈርዖን እየ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይ እግሩ ዘንቀሳቕስ ኣይሃሉ” በሎ።
45
ፈርዖን ከዓ ንዮሴፍ “ፀፍናት ፐዕናሕ” ዝብል ስም ኣውፅአሉ። ንኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት ድማ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ወፀ።
46
ዮሴፍ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ምግልጋል ክጅምር እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ካብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ወፂኡ፥ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ዞረ።
47
እታ ምድሪ ድማ በተን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ብዙሕ ፍርያት ሃበት።
48
ዮሴፍ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሸውዓተ ዓመታት እኽሊ፥ ኣብ ከተማታት ኣከቦ፤ ናይቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ገራሁ እኽሊውን ነናብ ከተማኡ ኣከቦ።
49
ዮሴፍ፥ ምፅብፃቡ ኽሳዕ ዝስእን ብዙሕ እኽሊ፥ ኣከበ። እቲ ዝኣከቦ እኽሊ ኸም ሑፃ ባሕሪ የመና ብዙሕ ነበረ።
50
ዓመት ጥሜት ገና ኸይበፅሐ እንተሎ፥ ኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት፥ ንዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ወለደትሉ።
51
ዮሴፍ ድማ፥ “ኣምላኽ፥ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ከም ዝርስዕ ገይሩኒ እዩ” እንትብል፥ ንበዅሪ ወዱ “ምናሴ” ኢሉ ሰመዮ።
52
ነቲ ኻልኣይ ድማ፥ “እግዚኣብሄር መከራ ኣብ ዝተቐበልኩላ ምድሪ ኣፍረየኒ ኢሉ ኤፍሬም” በሎ።
53
እተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበራ ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ ከዓ ሓለፋ።
54
ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፥ እተን ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ግና እኽሊ ነበረ።
55
ኵላ ምድሪ ግብፂ ምስ ጠመየት ድማ፥ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እኽሊ ናብ ፈርዖን ጠርዐ። ንሱ ኸዓ ንዅሎም ግብፃውያን “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በሎም።
56
ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኮነ። እቲ ጥሜት ኣብ ምድሪ ግብፂ እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ዮሴፍ ኵሉ ማዕኸን ከፊቱ፥ ንግብፃውያን እኽሊ ሸጠሎም።
57
እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ዓለም እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ካብ ዮሴፍ እኽሊ ኽሽምቱ ኻብ ኵለን ሃገራት፥ ናብ ግብፂ ይመፁ ነበሩ።
← Chapter 40
Chapter 42 →