bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 40
Genesis 40
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ናይ ግብፂ ንጉስ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን፥ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ንጐይታኦም ንጉስ ግብፂ በደሉ።
2
ፈርዖን ድማ ብኽልቲኦም ሹመኛታቱ ተቘጥዐ።
3
ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ፥ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት፥ ክእሰሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።
4
እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ንዮሴፍ ኣረከቦም፥ ንሱውን የገልግሎም ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ንብዙሕ መዓልቲ ፀንሑ።
5
እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ፥ ናይ ንጉስ ግብፂ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለሙ።
6
ዮሴፍ ንግሆ ናብኣቶም ምስ ኣተወ፥ እንሆ ተኪዞም ረአዮም።
7
ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሹመኛታት ፈርዖን፥ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ኣብ ገፅኩም ሓዘን ዝረአ ዘሎ?” ኢሉ ጠየቖም።
8
ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም።
9
እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ኸዓ ንዮሴፍ፦ “እንሆ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኒ ረአኹ።
10
ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ፤ ምስ ጠጥዐ ኸዓ ዓምበበ፤ እቲ ዘለላውን ኣንጠልጠለ፤ ፍረ እቲ ዘለላ ድማ በሰለ።
11
ፅዋዕ ፈርዖን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፤ ነቲ ዘቢብ ወሲደ ናብ ፅዋዕ ፈርዖን ፀመቝክዎ፤ ነታ ፅዋዕውን ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ” ኢሉ ሕልሙ ነገሮ።
12
ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ።
13
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ክፈትሐካ እዩ፤ ናብ ናይ ቀደም ሽመትካውን ክመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ እንተለኻ ትገብሮ ዝነበርካ ኸዓ፥ ንፈርዖን እታ ፅዋዑ ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።
14
ምስ ቀንዐካ ድማ ነኣይ ዘክረኒ፤ በይዛኻ ምሕረት ግበረለይ፤ ንፈርዖን ከዓ ንገረለይ እሞ፥ ካብዛ ቤት ማእሰርቲ እዚኣ ኣውፅአኒ።
15
ኣነ ኻብ ምድሪ ዕብራውያን ሰሪቖም ዘምፅኡኒ እየ፤ ኣብዝ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ በደል ድማ ኣይገበርኩን” በሎ።
16
እቲ ሓለቓ ኣሰናዳእቲ ምግቢ ኸዓ ፅቡቕ ከም ዝፈትሐሉ ምስ ረአየ፥ ንዮሴፍ ኣነ ድማ ብሕልመይ “እንሆ ፃዕዳ እንጀራ ዝሓዘ ሰለስተ መሶብ ኣብ ርእሰይ ነበረ።
17
ኣብቲ ላዕለዋይ መሶብ ከዓ ኻብቲ ፈርዖን ዝበልዖ ዅሉ ዓይነት ምግቢ ዝተዳለወ እንጀራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ” በሎ።
18
ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ።
19
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ካብ ማእሰርቲ ኸውፅአካ፥ ርእስኻ ኽቘርፀካ፥ ንስጋኻ ድማ ኣብ ዕንፀይቲ ኸንጠልጥሎ እዩ፤ ስጋኻውን ኣዕዋፍ ክበልዓኦ እየን” ኢሉ ፈትሐሉ።
20
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፥ ንፈርዖን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ኸዓ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ንሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ፈቲሑ ናብ ማእኸል መኳንንቱ ኣምፅኦም።
21
ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ፥ ናብ ናይ ቀደም ሽመቱ መለሶ። ንሱ ድማ ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ሃቦ።
22
ነቲ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግቢ ግና ሰቐሎ፤ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሐሎምውን ኮነ።
23
እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን።
← Chapter 39
Chapter 41 →