bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 32
Genesis 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ያእቆብ ድማ መንገዱ ቐፀለ፤ መላእክቲ እግዚኣብሄር ከዓ ተራኸብዎ።
2
ያእቆብ ምስ ረአዮም “እዙይ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ” በለ። ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ “መሃናይም” ኢሉ ሰመያ።
3
ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።
4
ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ሓሽከርካ ያእቆብ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንጐይታይ ኤሳው ንገርዎ፦ ምስ ላባ ነበርኩ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተቐመጥኩ።
5
ከፍትን ኣእዱግን ጤለ በጊዕን፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣገልገልትን ኣለዉኒ። ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ፥ ንኣኻ ንጐይታይ ክነግሩኻ ልኡኻት ለኣኽኩ።”
6
እቶም ልኡኻት ከዓ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም “ናብ ሓውካ ኤሳው በፂሕና፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ ሒዙ ኽቕበለካ ይመፅእ ኣሎ” በልዎ።
7
ሽዑ ያእቆብ የመና ፈርሐ፤ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰባትን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ኽፋል ከፈሎም፤
8
“ኤሳው መፂኡ ነቲ ሓደ ኽፋል እንተጥቅዖ እቲ ዝተረፈ ኽፋል ይድሕን” ኢሉውን ሓሰበ።
9
ያእቆብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሓቅን! ‘ናብ ምድርኻን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፥ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ’ ዝበልካኒ እግዚኣብሄር፦
10
እዝ ዅሉ ንኣይ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ዘይግብአኒ እዩ። ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ሓንቲ በትሪ ሒዘ እየ ዝተሳገርክዋ። ሕዚ ግና ኽልተ ኽፋል ሰራዊት ኮይነ ኣለኹ።
11
መፂኡ ኸየጥፍአና፥ ንእኖታትውን ምስ ደቀን ከይወቅዕ እፈርሕ ኣለኹ እሞ፥ በይዛኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣድሕነኒ።
12
‘ብዙሕ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ፤ ንዘርእኻውን ምብዛሑ ኽቝፀር ከም ዘይከኣል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ኔርካ።”
13
ያእቆብ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብኣ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ዅሉ ድማ ንሓዉ ኤሳው ዝኸውን ገፀ በረከት ኣዳለወ።
14
ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣጣል ዕስራ ዲበላታትን፥ ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣባጊዕን ዕስራ ማጓሉን፥
15
ሰላሳ ዘጥብዋ ኣግማል መምስ ውላደንን፥ ኣርብዓ ኣላሕምን ዓሰርተ ኣብዑርን፥ ዕስራ ኣንስትዮ ኣእዱግን ዓሰርተ ፃዕብታት ኣእዱግን፥
16
ነዚኣተን በብመጓሰአን ከፋፊሉ ንኣገልገልቱ ሃቦም። “መጓሰ ካብ መጓሰ ኣረሓሒቕኩም ከዓ ቐቅድመይ ሕለፉ” በሎም።
17
ነቲ ቐዳማይ፥ “ሓወይ ኤሳው ምስ ረኸበካ እሞ፥ ‘ናይ መን ኢኻ? ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ? እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ፥ ናይ መን እየን?’ ኢሉ እንተ ጠየቐካ፥
18
‘ንጐይታይ ኤሳው ገፀ በረከት ዝሰደደን ናይ ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እየን፤ ንሱ ድማ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ’ በሎ” ኢሉ ኣዘዞ።
19
ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፥ ነቶም መጓሰታት ዝዅብኩቡ ዅሎምን፥ “ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ ኸምኡ በልዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
20
ብፍላይ “ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ” ምባል ኣይትረስዑ። ያእቆብ “በዝ ቐቅድመይ ዝኸይድ ዘሎ ገፀ በረከት ከዝሕሎ እየ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ገፁ እርኢ፤ ምናልባሽ ብፅቡቕ ይቕበለኒ ይኸውን” ኢሉ ሓሰበ።
21
በዝ ኸምዙይ እቲ ገፀ በረከት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ።
22
በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ያእቆብ ተሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን ክልቲአን ኣገልገልቱን ዓሰርተ ሓደ ደቁን ሒዙ ንሩባ ያቦቅ ተሳገረ።
23
ነቲ ሩባ ምስ ኣሳገረን፥ ዘለዎ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣሳገረ።
24
ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ።
25
ንሱ ኸዓ ኸም ዘየሰነፎ ምስ ረአየ፥ ንያእቆብ ምሕዅልቱ ነኽኦ፤ ያእቆብ ድማ ኽቃለስ እንተሎ ምሕዅልቱ መለቘት።
26
እቲ ሰብኣይ ድማ “ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ ክኸይድ ስደደኒ” በሎ። ያእቆብ ከዓ “እንተይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ።
27
እቲ ሰብኣይ “መን እዩ ስምካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ስመይ ያእቆብ” እዩ ኢሉ መለሰ።
28
ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።
29
ያእቆብ ከዓ “በይዛኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ጠየቆ። ንሱ ድማ “ስለ ምንታይ ስመይ ትጥይቐኒ?” በሎ፤ ሽዑውን ባረኾ።
30
ያእቆብ ከዓ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ሪአዮ ነፍሰይ ድሒና ተረፈት እንትብል፥ ነታ ቦታ “ጰኒኤል” ኢሉ ሰመያ።
31
ካብ ጰኒኤል ክለዓል እንተሎ ፀሓይ በረቐቶ። ምሕዅልቱ መሊቛ ስለ ዝነበረት ከዓ ይሕንክስ ነበረ።
32
ያእቆብ ኣብቲ መፈላለዪ ምሕዅልቱ ስለ ዝተወቕዐ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፋላለዪ ምሕዅልቲ ሹሉዳ ኣይበልዑን እዮም።
← Chapter 31
Chapter 33 →