bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 33
Genesis 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ያእቆብ ከዓ ዓይኑ ኣልዒሉ እንሆ፥ ኤሳው ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ኣኸቲሉ ኽመፅእ እንተሎ ኣማዕድዩ ረአየ። ሽዑ ነቶም ደቁ፥ ኣብ ልያን ኣብ ራሄልን ኣብ ክልቲአን እተን ኣገልገልትን መቓቐሎም።
2
ነተን ኣገልገልትን ንደቀንን ቅድሚት፥ ንልያን ንደቃን ድማ ደድሕሪአን፥ ንራሄልን ንዮሴፍን ከዓ ድሕሪ ዅሎም ገበሮም።
3
ያእቆብ ከዓ ቕድሚኦም ሓሊፉ፥ ናብ ሓዉ ኤሳው ክሳዕ ዝበፅሕ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ምድሪ ሰገደ።
4
ኤሳው ድማ እናጐየየ ተቐበሎ፤ ክሳዱ ሓቝፉ ድማ ሰዓሞ፤ ክልቲኦምውን በኸዩ።
5
ኤሳው ዓይኑ ኣልዓለሞ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረአየ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ፥ “እዚኣቶም ንኣይ ንኣገልጋሊኻ እግዚኣብሄር ብልግስናኡ ዝሃበኒ ውሉድ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።
6
ሽዑ እተን ኣገልገልቲ ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳሉ።
7
ልያን ደቃንውን ቐሪቦም ሰገዱሉ። ደሓር ድማ ዮሴፍን ራሄልን ቐሪቦም ሰገዱሉ።
8
ኤሳው ከዓ “እዝ ዅሉ ዝረኸብክዎ መጓሰታትከ እንታይ እዩ? ንምንታይ ዝኸውንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ “ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
9
ኤሳው ከዓ፥ “ሓወይ፥ ኣነ ዝኣክል ኣለኒ፤ ናትካስ ንኣኻ ደኣ ይኹን” በሎ።
10
ያእቆብ ድማ “ኣይፋልካን፤ ብሓጐስ ካብ ተቐበልካንስ፥ ገፅካ ምርኣይ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ከም ምርኣይ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ፥ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረከት ተቐበለኒ።
11
እግዚኣብሄር ልግሱ ኣብዚሑለይ፥ ብዅሉውን ኣሀብቲሙኒ እዩ እሞ፥ እቲ ዝሰደድኩልካ ገፀ በረከት ተቐበል ደኣ” ኢሉ ግድን በሎ፤ ኤሳው ከዓ ተቐበሎ።
12
ኤሳው ድማ፥ “ንዑናይ ንኺድ፥ ኣነ ድማ ቐቅድሜኻ ክኸይድ እየ” በሎ።
13
ያእቆብ ግና፥ “እዞም ቈልዑ ዘይጠንከሩ ህፃናት ከም ዝኾኑ፥ ዘጥብዋ ጤለ በጊዕን ከፍትን ከዓ ኸም ዘለዋኒ፥ ጐይታይ ትፈልጥ ኢኻ። ሓደ መዓልቲ እኳ ብታህዋኽ እንተ ዀብኰብናየን ኵለን መጓሰ ኽሞታ እየን።
14
ጐይታይስ ቀቅድመይ ደኣ ሕለፍ፤ ኣነ ኣገልጋሊኻ ድማ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣብ ሴይር ክሳዕ ዝበፅሕ፥ ከም ዓቕሚ እተን ቀቅድመይ ዘለዋ ኸብትን ከም ዓቕሚ እቶም ቈልዑን ገይረ ሰለይ እናበልኩ ኽመፅእ እየ” በሎ።
15
ኤሳው ከዓ “እምበኣር ካብዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባትዶ መቒለ ኽሓድገልካ” በሎ። ያእቆብ ግና “ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ እዙይስ ኣየድልን እዩ” በሎ።
16
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኤሳው ናብ ሴይር ኣቢሉ ተመለሰ።
17
ያእቆብ ግና ናብ ሱኮት ተጕዓዘ፤ ኣብኡውን ንባዕሉ ቤት ሰርሐ፤ ንጥሪቱውን ዳሳት ገበረ፤ ስለዙይ ስም እቲ ቦታ ሱኮት ተብሃለ።
18
ያእቆብ ድማ ኻብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ምስ መፀ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን ኣተወ። ኣብ ማዕዶ እታ ኸተማ ኸዓ ሰፈረ።
19
እታ ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ኽፍሊ ግራት ድማ ኻብ ኢድ ደቂ ኤሞር፥ ኣቦ ሴኬም፥ ብሚእቲ ኣባጊዕ ዓደጋ።
20
ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸዓ “ኤል ኤሎሄ እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።
← Chapter 32
Chapter 34 →