bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 31
Genesis 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ላባ “እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፤ ኵሉ እዝ ሃብቲ እዙይ ከዓ ኻብ ኣቦና ዝረኸቦ እዩ” ኢሎም ክዛረቡ እንተለዉ ያእቆብ ሰምዐ።
2
ገፅ ላባውን ከም ቀደሙ ኸም ዘይኮነ ረአየ።
3
እግዚኣብሄር ከዓ ንያእቆብ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ።
4
ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብቲ መጓሰኡ ዝነበራኦ በረኻ ፀውዐን።
5
ከምዙይውን በለን፦ “ገፅ ኣቦኻትክን፥ ከም ቀደሙ ኣባይ ፅቡቕ ከም ዘይኮነ እርኢ ኣለኹ። ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነይሩ እዩ።
6
ነቦኻትክን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎውን ንስኻትክን ትፈልጣ ኢኽን።
7
ኣቦኻትክን ግና ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ እናለዋወጠ ሸፈጠኒ፤ ዝኾነ ኾይኑ እግዚኣብሄር ክፉእ ክገብረኒ ኣይፈቐደሉን።
8
ንሱ ‘ውርውራይ ዝኾና ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለኒ፥ ኵለን መጓሰ ውርውራይ ወለዳ። ‘ዓስብኻ ብርሆታት ይኹና’ ምስ በለኒ ኸዓ፥ ኵለን መጓሰ ብርሆታት ወለዳ።
9
ስለዙይ እግዚኣብሄር ጥሪት ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሃበኒ።
10
“በቲ እተን መጓሰ ዝስረራሉ ጊዜ ሓለምኩ፤ እንሆ እቶም ነተን መጓሰ ዝሰርወን ተባዕትዮ ብርሆታትን ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝነበሩ ረአኹ።
11
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ብሕልሚ ‘ያእቆብ’ ኢሉ ፀውዐኒ። ኣነ ኸዓ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።
12
ንሱውን ዓይንኻ ቛሕ ኣብልሞ ‘እንሆ እዞም ነዘን መጓሰ ዝሰርወን ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ብርሆታት፥ ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝኾኑ ረአ። እዙይ ከዓ ነቲ ላባ ዝበደለካ ስለ ዝረአኹ እየ።
13
እቲ ሓወልቲ ዝቐባእኻሉን፥ ኣብኡ ድማ መብፅዓ ዝተመባፃዕኻለይን ኣምላኽ ቤቴል ኣነ እየ። ሕዚ ተስእ እሞ ኻብዛ ሃገር እዚኣ ወፂእኻ ናብታ ዝተወለድካላ ምድሪ ተመለስ’ በለኒ” በለን።
14
ራሄልን ልያን ከዓ “ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ሃልዩና?
15
ንኣና ሸይጡ ዋጋና ኻብ በልዐኸ፥ ከም ጓኖትዶ ቘፂሩና ኣይኮነን?
16
እቲ እግዚኣብሄር ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ዅሉ ሃብቲ፥ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ። ሕዚ ኸዓ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝበለካ ግበር” ኢለን መለሳሉ።
17
ሽዑ ያእቆብ ተልዓለ ንደቁን ነንስቱን ኣብ ኣግማል ኣቐመጦም።
18
ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ፥ ኵሉ መጓሰኡ ምስቲ ዅሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሩባታት እንተሎ ዘጥረዮ ሃብቲ ሒዙ ኸደ።
19
ላባ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ከይዱ ነበረ፤ ሽዑ ራሄል ጣዖታት ኣቦኣ ሰረቐት።
20
ያእቆብ ድማ፥ ነቲ ሶርያዊ ላባ ኸም ዝኸይድ እንተይነገረ መሊቑ ኸደ።
21
ዘለዎ ዅሉ ሒዙውን ሃደመ፤ ሩባ ተሳጊሩ ድማ ጕዕዞኡ ናብ እምባ ገለዓድ ኣቢሉ ኣቕንዐ።
22
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ፥ ያእቆብ ከም ዝሃደመ ንላባ ነገርዎ።
23
ሽዑ ኣዝማዱ ሒዙ ደድሕሪኡ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ሰዓቦ። ኣብ እምባ ገለዓድ ድማ ኣርከቦ።
24
እግዚኣብሄር ግና ብሕልሚ፥ ለይቲ ናብ እቲ ሶርያዊ ላባ መፂኡ “ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ” በሎ።
25
ያእቆብ ድንኳኑ ኣብ እምባ ተኺሉ ነበረ፤ ላባ ድማ ኣርከቦ፤ ምስ ሰቡ ኸዓ ድንኳኑ ኣብ እምባ ገለዓድ ተኸለ።
26
ላባ ኸዓ ንያእቆብ ከምዙይ በሎ፦ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ? ንኣይ ኣታሊልካዶ፥ ነዋልደይ ኣብ ውግእ ከም ዝተማረኻ ዀብኰብካየን?
27
ስለ ምንታይ ብስውር ሃደምካ ኻባይ ከዲዕኻ ዀብለልካ? ነጊርካኒ እንተትኸውንስ ብሓጐስን ብመዝሙርን ብኸበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ።
28
ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ዕድል ኣይሃብካንን። ናይ ሰነፍ ስራሕ ኢኻ ዝገበርካ።
29
ጕድኣት ከብፅሐልካ ምኸኣልኩ ነይረ፤ እንተ ኾነ ኣምላኽ ኣቦኻ ትማሊ ለይቲ ‘ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ክፉእ ኸይትዛረቦ’ ኢሉ ኣጠንቀቐኒ።
30
ሕዚ ኸዓ ቤት ኣቦኻ ኻብ ናፈቕካ ኺድ፤ ንኣማልኽተይ ግና ስለ ምንታይ ሰረቕካዮም?” በሎ።
31
ያእቆብ ድማ ንላባ “ነጓላትካ ብሓይሊ ኸይተሕድገኒ ስለ ዝፈራሕኹ እየ እዙይ ዝገበርኩ።
32
ንኣማልኽትኻ ዝወሰደ እንተ ሃልዩ ግና ንሱ ይቀተል። ናትካ ዝኾነ ምሳይ እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣዝማድና ጐርጒርካ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ነቶም ኣማልኽቲ፥ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ያእቆብ ኣይፈለጠን ነበረ።
33
ላባ ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን እተን ክልተ ኣገልገልትን ኣተወ፤ ነቶም ኣማልኽቲ ግና ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወፂኡ ድማ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ።
34
ራሄል ከዓ ነቶም ጣዖታት ወሲዳ ኣብ ትሕቲ ኮረቻ ግመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኣቶም ኮፍ በለት። ላባ ድማ ንዅሉ ድንኳን ጐርጐሮ፤ ክረኽቦም ግና ኣይከኣለን።
35
ንሳ ኸዓ ነቦኣ “እቲ ኣብ ኣንስቲ ዝበፅሕ በፂሑኒ እዩሞ፥ ተሲአ ኽቕበለካ ብዘይ ምኽኣለይ ኣይትዀሪ” በለቶ፤ ንሱ ኸዓ ደለየ፤ ነቶም ጣዖታት ግና ኣይረኸቦምን።
36
ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንላባ ኸምዙይ ኢሉ ወቐሶ፦ “እቲ ብናህሪ ደድሕረይ ክትግስግስ ዝገበረካ በደለይ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ እንታይ እዩ?
37
እምበኣር ንዅሉ ኣቑሑተይ ጐርጐርካ፥ ካብ ኣቑሑት ገዛኻ እንታይ ረኸብካ? ኣብ መንጎ ኽልቴና ኽፈርዱስ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ ኣዝማደይን ኣዝማድካን ኣምፅኣዮ።
38
ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነበርኩ፤ ካብ ጤለ በጊዕኻ ዘውሃየት ኣይነበረትን፤ ካብ መጓሰኻውን ሓደ ጡበት በጊዕ እኳ ኣይበላዕኹን።
39
ኣራዊት ዝቐተላ ኣምፂአልካ ኣይፈልጥን፤ እኳ ደኣ ባዕለይ እኸፍለካ ነበርኩ። ብመዓልቲ ኾነ ብለይቲ ዝተሰርቀት ድማ ኻባይ ትደልያ ነበርካ።
40
ሃሩር ብመዓልቲ፥ ኣስሓይታ ድማ ብለይቲ የሳቕየኒ ነበረ፤ ድቃስውን ካብ ዓይነይ ጠፊኡ ነበረ።
41
ከምዙይ ኢለ እየ ዕስራ ዓመት ኣብ ገዛኻ ዝነበርኩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣጓላትካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕኻ ኣገልገልኩኻ፤ ምስዙይ ከዓ ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ ለዋወጥካ።
42
ናይ ኣቦይ፥ ናይ ኣብርሃም ኣምላኽ፥ እቲ ይስሓቅ ዝፈርሖ ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፥ ብርግፅ ሕዚ ጥራሕ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ፃዕረይን ሪኡ ትማሊ ለይቲ ገሰፀካ” በሎ።
43
ላባ ድማ ንያእቆብ “እዘን ኣጓላት ደቀይ እየን፤ እዞም ቈልዑውን ደቀይ እዮም፤ እዘን መጓሰታት ከዓ መጓሰታተይ እየን፤ እዝ እትሪኦ ዘለኻ ዅሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ደኣ ነዘን ኣጓላተይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ ክገብሮም እኽእል?
44
ሕዚ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ክኸውንስ፥ ነዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ” በሎ።
45
ያእቆብ ከዓ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ተኸለ።
46
ነቶም ኣሕዋቱ ድማ “ኣእማን ኣክቡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣእማን ኣኪቦም ኰመሩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅምራ ድማ በልዑ።
47
ላባ ነቲ ዅምራ እምኒ “ኵምራ ምስክር” ኢሉ ሰመዮ፤ ያእቆብ ከዓ “ገለዓድ” ኢሉ ሰመዮ።
48
ላባ ድማ፥ “ሎሚ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን” በለ። ስለዙይ ስሙ ገለዓድ ተብሃለ።
49
ላባ “ንሕና ኻብዙይ ምስተፈላለና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” ኢሉ ስለ ዝነበረ “ምፅጳ” ተብሃለ።
50
“ነዘን ኣጓላተይ እንተ ገፋዕኻየን ወይ ኣብ ልዕሊኣተን ካልኦት ኣንስቲ እንተእተኻ፥ ዝርኢ ሰብ እኳ ምሳና እንተ ዘየለ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ።
51
ላባ ድማ መሊሱ ንያእቆብ “እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ እንሆ፥ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲውን እንሆ፥
52
ኣነ ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ሓሊፈ ኸየጥቅዐካ፥ ንስኻውን ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይን ነዝ ሓወልቲ እዙይን ሓሊፍካ ኸይተጥቅዐኒ፥ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ምስክር ይኹን፥ እዝ ሓወልቲ እዙይውን ምስክር ይኹን።
53
ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናኮርን፥ ኣምላኽ ኣቦኣቶምን፥ ኣብ መንጎና ይፍረድ” በሎ። ያእቆብ ድማ በቲ ብፍርሓት ኣቦኡ ይስሓቅ መሓለ።
54
ያእቆብ ኣብቲ እምባ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። ነቶም ሰቡ ኸዓ እንጀራ ኽበልዑ ፀውዖም። እንጀራ በሊዖም ድማ ኣብቲ እምባ ሓደሩ።
55
ላባ ኸዓ ብፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣወዳትን ንኣጓላትን ደቁ ድማ፥ ስዒሙን መሪቑን ተሰናበቶም፤ ተልዒሉውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
← Chapter 30
Chapter 32 →