bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 25
Genesis 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብርሃም ድማ መሊሱ ኬጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ።
2
ንሳ ኸዓ ንዘምራን፥ ንዮቅሳን፥ ንሜዳን፥ ንምድያምን፥ ንየስቦቅን፥ ንሹኣሕን ወለደትሉ።
3
ዮቅሳን ድማ ንሳባን ንድዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከዓ ኣሶርውያን ለጡሳውያን ለኡማውያን እዮም።
4
ደቂ ምድያም ድማ ጌፌር ኤፌርን ሄኖሕን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኬጡራ እዮም።
5
ኣብርሃም ድማ ዘለዎ ዅሉ ሃብቲ ንይስሓቅ ሃቦ።
6
ነቶም ካብ ዕቁባታቱ ዝወለዶም ግና፥ ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ካብ ይስሓቅ ወዱ ኣርሒቑ፥ ውህብቶታት ሂቡ ናብ ምድሪ ምብራቕ ኣቢሉ ሰደዶም።
7
ኣብርሃም ዝነበረለን ዓመታት ዕድሚኡ፥ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት እየን።
8
ኣብርሃም ፅቡቕ መዋእል ረኺቡ፥ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።
9
ደቁ ይስሓቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ሰዓር ኬጢያዊ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ማክጴላ እትበሃል በዓቲ ቐበርዎ።
10
እዚኣ እታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኬጢ ዝዓደጋ ግራት እያ። ኣብርሃም ከዓ ምስ ሰበይቱ ሳራ ኣብኣ ተቐበረ።
11
ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ወዱ ባረኾ። ይስሓቅ ከዓ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ኣብ ዝተብሃለ ዒላ ይቕመጥ ነበረ።
12
ትውልዲ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፥ ኣጋር፥ እታ መገልገሊት ሳራ ግብፃዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፥ እዙይ እዩ፦
13
ስም ደቂ እስማኤል በብስሞምን በብትውልዶምን እዙይ እዩ፦ በዅሪ ወዱ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ኣድብኤል፥ መብሳም፥
14
ማስማዕ፥ ዱማ፥ ማሳ፥
15
ኩዳን፥ ቴማን፥ ኢጡር፥ ናፌስ፥ ቄድማ።
16
ደቂ እስማኤል እዚኣቶም እዮም። ስማቶምውን በብዓዶምን በብቦታኦምን ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ መሳፍንቲ እዙይ እዩ።
17
እስማኤል ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት ምስ ኮኖ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።
18
ደቂ እስማኤል ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር፥ ኣብታ ናብ ኣሶር እትወስድ መንገዲ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንፅር ኵሎም ኣሕዋቱ ኸዓ ይቕመጥ ነበረ።
19
ትውልዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም ከምዙይ እዩ፦ ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ።
20
ይስሓቅ ድማ ንርብቃ ሰበይቱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ንሳ ጓል እቲ ኣብ ማእኸል ክልተ ኣፍላግ ዝነብር ሶርያዊ ባቱኤልን፥ ሓፍቲ እቲ ሶርያዊ ላባን ነበረት።
21
ይስሓቅ ድማ፥ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ምእንታኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ልመናኡ ሰምዖ፤ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።
22
እቶም ህፃናት ከዓ ኣብ ማህፀና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ እንታየይ እዩ?” በለት። ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ ድማ ኸደት።
23
እግዚኣብሄር ድማ፥ “ኣብ ማህፀንኪ ኽልተ ወገን ኣለዉ፤ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ክኽፈሉ እዮም፤ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ሓደ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ፤ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ።
24
እትወልደሉ ዕለት ምስ በፅሐ ድማ እንሆ ማንታ ወለደት።
25
እቲ ቕድም ዝተወልደ ቐይሕ፥ ኵለንትናኡ ኸዓ ፀጓር ነበረ። ስለዙይ ስሙ ኤሳው ኢሎም ሰመይዎ።
26
ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።
27
እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ። ኤሳው ሃደን ዝፈልጥ ሰብኣይ በረኻ ኾነ። ያእቆብ ከዓ ኣብ ድንኳን ዝነብር ህዱእ ሰብ ኮነ።
28
ኤሳው እናሃደነ ነቦኡ ይስሓቅ ስጋ የብልዖ ስለ ዝነበረ፥ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።
29
ያእቆብ ፀብሒ እናሰርሐ እንተሎ፥ ኤሳው ካብ በረኻ ኣተወ፤ ደኺሙ ስለ ዝነበረ ድማ፥
30
ኤሳው ንያእቆብ “ደኺመ ኣለኹሞ በይዛኻንዶ ኻብዝ ቐይሕ ፀብሒ ኣብልዐኒ?” በሎ። ስለዙይ ስሙ ኤዶም ተብሃለ።
31
ያእቆብ ከዓ “እምብኣር ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።
32
ኤሳው ድማ፥ “እንሆ ኽመውት ኢለ ኣለኹ፤ እዛ ብዅርና እዚኣ እንታይዶ ኽትዓብሰለይ እያ?” በሎ።
33
ያእቆብ ከዓ “ቅድም መሓለለይ” በሎ እሞ መሓለሉ። ብዅርናኡውን ንያእቆብ ሸጠሉ።
34
ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጀራን ፀብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተልዒሉ ኸደ። ኤሳው ብኸምዙይ ንብዅርናኡ ነዓቓ።
← Chapter 24
Chapter 26 →