bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 24
Genesis 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብርሃም ድማ ዕድመ ዝፀገበ ኣረጋዊ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ስራሑ ባሪኽዎ ነበረ።
2
ኣብርሃም ከዓ ነቲ ዝሸምገለ ኣገልጋሊኡ፥ ኣዛዚ ኵሉ ገንዘቡ “በይዛኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር።
3
ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ።
4
ናብ ሃገረይን ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኣምፅአሉ” በሎ።
5
እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ፥ “ምናልባሽ እታ ጓል ናብዛ ሃገር ክትመፅእ እንተ ዘይፈተወትከ፥ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝሓደግካያ ሃገርዶ ኽወስዶ?” በሎ።
6
ኣብርሃም ድማ “ንወደይ ናብኣ ኸይትወስዶ ተጠንቀቕ።
7
እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።
8
እታ ጓል ምሳኻ ኽትመፅእ እንተ ዘይፈተወት ግና፥ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትውሰዶ እምበር፥ ንስኻ ኻብዛ ዘምሕለካ ማሕላ እዚኣ ንፁህ ኢኻ” በሎ።
9
እቲ ኣገልጋሊ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፤ ከምቲ ዝበሎ ገይሩ ድማ መሓለሉ።
10
እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ ኻብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ኣግማል ወሲዱ፥ ካብ ኵሉ ዘዝፀበቐ ውህብቶ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተልዓለ። ተልዒሉውን ናብ መስጴጦምያ ናብ ከተማ ናኮር ኸደ።
11
ኣጋ ምሸት፥ በታ ኣንስቲ ንማይ ዝወርዳላ ጊዜ ኸዓ፥ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ፥ ነተን ኣግማል ኣንበርከኸን።
12
ቀፂሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ሎሚ ኣስምረለይ እሞ ንጐይታይ ኣብርሃም ምሕረትካ ግበር።
13
እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዝ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ ኣጓላት እዛ ኸተማ ኸዓ፥ ማይ ክቐድሓ ኽወፃ እየን።
14
እንሆ ኸዓ፥ ‘ማይ ክሰቲ፥ በይዛኺ ንዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ፥ ንሳ ኸዓ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ ጓል፥ ንሳ ንይስሓቅ ባርያኻ ዝመረፅካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸዓ በዙይ ክፈልጥ እየ” በለ።
15
ገና ዘረባኡ እንተይወድአ ድማ እንሆ ርብቃ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ፆይራ መፀት። ንሳ ጓል ባቱኤል ወዲ ሚልካ፥ ሰበይቲ ናኮር ሓው ኣብርሃም እያ።
16
እታ ጓል የመና ፅብቕቲ፥ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸዓ ዕትሮኣ ማይ መሊኣ ተመሊሳ ደየበት።
17
እቲ ኣገልጋሊ ድማ እናጐየየ ኸይዱ፥ “ካብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ክተስትይኒ እልምነኪ ኣለኹ” በላ።
18
ንሳ ኸዓ “ጐይታይ ስተ” ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ።
19
ምስ ኣስተየቶ ድማ “ነግማልካውን ክሳዕ ዝኣኽለን ክሰትያ ኽቐድሐለን እየ” በለቶ።
20
ቀልጢፋ እቲ ማይ ካብ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ገልቢጣ መሊሳ ማይ ክትቀድሕ ናብ ዒላ ጐየየት፤ ንዅለን ኣግማሉ ኸዓ ማይ ቐድሐትለን።
21
እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መንገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ ኽፈልጥ፥ ስቕ ኢሉ ኣትኲሩ ይጥምታ ነበረ።
22
እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ረወያ፥ እቲ ሰብኣይ ሓሙሽተን ፈረቓን ግራም ዝሚዛኑ ወርቂ ቐለቤት፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂ ኣውፂኡ ድማ ኣብ ኣእዳዋ ገበረላ።
23
ከምዙይውን በላ፦ “ጓል መን ኢኺ? በይዛኺ ንገርኒ፤ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ኣሎ?”
24
ንሳ ኸዓ “ኣነ ጓል ባቱኤል እየ፤ ባቱኤል ከዓ ሚልካ ኻብ ናኮር ዝወለደቶ እዩ” ኢላ መለሰትሉ።
25
ኣስዒባ ኸዓ “ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፥ ንመሕደሪ ኣግማልካ ድማ ስፍራ ኣለና” በለቶ።
26
እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
27
“እቲ ሕያዋይነቱን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረፀ፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። ንኣይ ከዓ እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” ድማ በለ።
28
እታ ጓል ከዓ እናጐየየት ከይዳ፥ እቲ ዝኾነ ነገር ንስድራ እኖኣ ነገረት።
29
ንርብቃ፥ ላባ ዝስሙ ሓው ነበራ። ብጕያ ወፂኡ ድማ ናብቲ ሰብኣይ፥ ናብቲ ዓይኒ ማይ ከደ።
30
ነቲ ቐለቤትን፥ ኣብ ኢድ ሓፍቱ ዝነበረ ኣምባርን ምስ ረአየ፥ ርብቃ ሓፍቱ ድማ “እቲ ሰብኣይ ከምዙይ ኢሉ ተዛሪቡኒ” ኽትብል ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ሰብኣይ መፀ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ደው ኢሉ ነበረ።
31
ላባ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ፥ ነዓ እቶ! ንምንታይ ኣብ ደገ ደው ትብል? ንኣኻ መዕረፊ፥ ነግማልካ ኸዓ ሰፈር ኣዳሊወልካ ኣለኹ” በሎ።
32
ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ገዛ ኣተወ። ነተን ኣግማል ኣራገፈን፤ ሓሰርን ድርቋን ከዓ ሃበን፤ እቲ ሰብኣይን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ኣቕረበሎም።
33
ምግቢውን ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረበሉ። ንሱ ግና “ጉዳየይ እንተይነገርኩ ኣይበልዕን” በለ። ላባ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።
34
ንሱ ድማ “ኣነ ኣገልጋሊ ኣብርሃም እየ።
35
እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾ፤ ኣዕበዮውን። ኣባጊዕን ኣላሕምን፥ ወርቅን ብሩርን፥ ኣገልገልትን ኣግራድን፥ ኣግማልን ኣእዱግንውን ሂብዎ እዩ።
36
ሳራ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፥ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፤ ጐይታይውን ንወዱ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ ኣሎ።
37
ጐይታይ ድማ ‘ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ጓል ኣምፅአሉ እምበር፥ ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተምፅኣሉ’ ኢሉ ኣምሓለኒ።
39
ሽዑ ኸዓ ኣነ ንጐይታይ ‘ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ምሳይ ክትመፅእ እንተ ዘይደለየትከ?’ በልክዎ።
40
ንሱ ድማ ‘እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝመላለስ እግዚኣብሄር፥ መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መንገድኻ ኸቕንዐልካ እዩ እሞ፥ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።
41
ናብ ዓሌተይ ምስ ከድካ ድማ፥ ካብቲ ዘምሓልኩኻ ንፁህ ኢኻ፤ እንተ ዘይሃቡኻውን ካብቲ ማሕላይ ንፁህ ክትከውን ኢኻ’ ኢሉኒ።
42
“ሎሚ ኸዓ ናብዛ ዓይኒ ማይ መፂአ፥ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ነዛ ኣነ ዝኸዳ ዘለኹ መንገዲ ኣቕንዐለይ።
43
እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ “ማይ ክትቀድሕ እትወፅእ፥ ኣነ ኸዓ ኻብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ኣስትይኒ” ዝብላ፥
44
ንሳ ድማ፥ “ስተ ነግማልካውን ክቐድሐለን እየ” እትብለኒ ጓል፥ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዘዳለዋ ሰበይቲ ትኹን’ በልኩ።
45
ኣነ ብልበይ ዝዛረቦ ገና እንተይወዳእኹ፥ እንሆ ርብቃ፥ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ተሸኪማ ወፀት፤ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቐድሐት። ኣነ ኸዓ ‘ማይ ኣስትይኒ’ በልክዋ።
46
ቀልጢፋ ዕትሮኣ ኣውሪዳ ድማ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ በለትኒ። ኣነ ሰተኹ፤ ነተን ኣግማለይውን ኣስተየተን።
47
ኣነ ኸዓ ‘ኣቲ፥ ጓል መን ኢኺ?’ ኢለ ጠየቕክዋ። ንሳ ድማ፥ ‘ጓል ባቱኤል ወዲ ናኮር፥ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ’ በለትኒ። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣእተኹላ፤ ኣምባር ከዓ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ።
48
ብግንባረይ ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩ፤ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መንገዲ ንዝመርሐኒ፥ ንኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንኩ።
49
ሕዚ ኸዓ ንጐይታይ ሓልዮትን ተኣማንነትን እተርእዩ እንተ ዄንኩም፥ ንገሩኒ። ዘይትህቡኒ እንተ ዄንኩም ድማ ናብ የማን ወይ ናብ ፀጋም ክብል ንገሩኒ” በሎም።
50
ሽዑ ላባን ባቱኤልን “እዝ ነገርዙይ ካብ እግዚኣብሄር ዝመፀ እዩ፤ ክፉእ ኾነ ፅቡቕ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።
51
እኒሃ፥ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፤ ሒዝካያ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፥ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ።
52
እቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ድማ ዘረባኦም ምስ ሰምዐ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
53
ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ፥ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ኣውፂኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ንኖኣን ድማ ኽቡር ውህብቶ ሃቦም።
54
ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከዓ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንፅባሒቱ ምስ ተስኡ ኸዓ “ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ” በሎም።
55
ሓዋን እኖኣን ድማ “እዛ ጓል ንዓሰርተ መዓልቲ ዝኣክል ምሳና ትቐኒ፤ ድሕሪኡ ኽትከይድ” በልዎ።
56
ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር መንገደይ ካብ ኣቕንዐለይ ኣይተደናጕዩኒ፤ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ” በሎም።
57
ንሳቶም ድማ “ነታ ጓል ፀዊዕና ኽንጥይቓ” ካብ ኣፋውን ክንሰምዕ በልዎ።
58
ንርብቃ ፀዊዖም ድማ፥ “ምስ እዝ ሰብኣይ እዙይዶ ኽትከዲ?” በልዋ። ንሳ ድማ “እወ፥ እኸይድ” በለቶም።
59
ሽዑ ንርብቃ ሓፍቶምን ንመጕዚታን ነቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃምን ንሰቡን ኣሰናበትዎም።
60
ንሳቶም ድማ ንርብቃ፦ “ኣቲ ሓፍትና፥ እልፊ ኣእላፋት ፍረዪ፤ ዘርእኺ ድማ ደገ ፀላእቶም ይውረሱ” እናበሉ መረቕዋ።
61
ርብቃ ኸዓ ምስ ኣግራዳ፥ ኣብ ኣግማል ተቐሚጠን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ ንርብቃ ሒዝዋ ኸደ።
62
ይስሓቅ ግና ኣብ ምድሪ ነጌብ ይነብር ነበረ። በቲ መንገዲ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዒላ ኣቢሉ ኸዓ ይመፅእ ነበረ።
63
ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ ይስሓቅ ብልቡ እናስተንተነ ናብ ሜዳ ወፂኡ ነበረ። ኣማዕድዩ እንተ ረአየ ኸዓ ኣግማል እንትመፃ ረአየ።
64
ርብቃ ድማ ንይስሓቅ ረአየቶ፤ ቀልጢፋ ኻብ ግመል ወሪዳ ኸዓ፥
65
ነቲ ኣገልጋሊ “እቲ ብሜዳ ናባና ዝመፅእ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ?” ኢላ ጠየቐቶ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ “ንሱ ጐይታይ እዩ” በላ። ሽዑ መጐልበቢኣ ኣውፂኣ ተጐልበበት።
66
እቲ ኣገልጋሊ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ንይስሓቅ ነገሮ።
67
ይስሓቅ ከዓ ናብ ድንኳን እኖኡ ሳራ ኣእተዋ። ሰበይቱውን ኮነት፤ ፈተዋውን። ይስሓቅ ድማ፥ እንሆ፥ ድሕሪ ሞት እኖኡ ተፀናንዐ።
← Chapter 23
Chapter 25 →