bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 26
Genesis 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምቲ ቕድም ብዘመን ኣብርሃም ጥሜት ዝነበረ፥ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኮነ። ይስሓቅ ከዓ ናብ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ጌራራ ኸደ።
2
እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ተገልፀሉ እሞ፦ “ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ እምበር፥ ናብ ግብፂ ኣይትውረድ።
3
እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።
4
“ኣብርሃም ንቓለይ ስለ ዝተኣዘዘ፥ ነቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፥ ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፤ እዘን ኵለን ሃገራትውን ንዘርእኻ ኽህበን እየ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
6
ይስሓቅ ኣብ ጌራራ ተቐመጠ።
7
ሰብ ጌራራ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ጠየቕዎ። መልክዓ ፅቡቕ ስለ ዝነበረ፥ ደቂ እታ ሃገር ንርብቃ ኽብሉ ኸይቐትልዎ፥ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሐ። “ንሳ ሓፍተይ እያ” ኸዓ በሎም።
8
ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ብመስኮት ክጥምት እንተሎ፥ ይስሓቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ እንትፃወት ረአየ።
9
ኣቢሜሌክ ንይስሓቅ ፀዊዑ “እምበኣር ሰበይትኻ እያ! ስለ ምንታይ ደኣ ‘ሓፍተይ እያ’ ዝበልካ?” በሎ። ይስሓቅ ከዓ “ብሰንካ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ።
10
ኣቢሜሌክ ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካና? ሓደ ኻብዞም ህዝቢ ዘይፈለጠ፥ ምስ ሰበይትኻ ምደቀሰ ነይሩ፥ ንኣናውን ኣብ በደል መእተኻና ኔርካ።”
11
ኣቢሜሌክ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ወይ ንሰበይቱ ዝነኽአ፥ ብርግፅ ክቕተል እዩ” ኢሉ ኣዘዘ።
12
ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኾ ድማ በታ ዓመት እቲኣ ሚእቲ ዕፅፊ ረኸበ።
13
ይስሓቅ ሃብተመ፤ ሃብቱ ድማ የመና እናበዝሐ ኸደ።
14
ኣባጊዕን ከፍትን ብዙሓት ኣገልገልትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ግና ቐንኡሉ።
15
ሽዑ ፍልስጥኤማውያን፥ ነቶም ኣገልገልቲ ኣቦኡ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዅሉ ዒላታት ደፈንዎ፤ ሓመድ ከዓ መልእዎ።
16
ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሓቅ “ካባና የመና ሓዪልካ ኢኻ እሞ፥ ካባና ኺድ” በሎ።
17
ይስሓቅ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራራ ሰፈረ፤ ኣብኡውን ተቐመጠ።
18
ነቲ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም፥ ዝዀዓትዎ ዒላታት ማይ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደፈንዎም፥ ይስሓቅ መሊሱ ዀዓቶም፤ በቲ ኣቦኡ ዝፅውዖም ዝነበረ ስም ድማ ሰመዮም።
19
ኣገልገልቲ ይስሓቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዒላ ዀዓቱ፤ ኣብኡ ኸዓ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ።
20
ጓሶት ጌራራ ከዓ ምስ ጓሶት ይስሓቅ “እዙይ ማይና እዩ” ኢሎም ተበኣሱ። ይስሓቅ ከዓ ምስኡ ስለ ዝተበኣሱ፥ ነቲ ዒላ “ዔሴቅ” ኢሉ ሰመዮ።
21
ካልእ ዒላ ኸዓ ዀዓቱ፤ ብዛዕባኡውን ስለ ዝተበኣሱ “ስጥና” ኢሉ ስም ኣውፅአሉ።
22
ካብኡ ድማ ገዓዘ፤ ካልእ ዒላውን ኰዓተ፤ ብዛዕባኡ ግና ኣይተበኣሱን፤ “ሕዝስ እግዚኣብሄር ኣስፊሑና እዩ እሞ ኣብዝ ምድሪዙይውን ክንስስን ኢና” በለ። ነቲ ዒላ ድማ “ርሖቦት” ኢሉ ሰመዮ።
23
ካብኡ ኸዓ ንቤርሳቤህ ደየበ።
24
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።
25
ይስሓቅ ከዓ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ስም እግዚኣብሄር ፀውዐ። ድንኳኑውን ተኸለ፤ ኣገልገልቱ ድማ ዒላ ዀዓቱ።
26
ኣቢሜሌክ ድማ ኣከዘት ምስ ዝበሃል ኣማኻሪኡን ፊኮል ምስ ዝበሃል ሓለቓ ሰራዊቱን ካብ ጌራራ ናብ ይስሓቅ ከደ።
27
ይስሓቅ ከዓ “ፀሊእኹምንስ ካባኻትኩምዶ ኣይሰጐጕኩምንን? ንምንታይ ደኣ ናባይ መፃእኹም?” በሎም።
28
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና እሞ፥ ከምቲ ንሕና ዘይነኻእናካ፥ ፅቡቕውን ዝገበርናልካ፥ ብሰላም ድማ ዘፋኖናካ፥ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፥ ንሕናን ንስኻን ንስንሳትና ንመሓሓል፤ ምሳኻ ኸዓ ኺዳን ንእቶ፥ ኢልና መኸርና። ሕዚ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ ኢኻ” በልዎ።
30
ይስሓቅ ድማ ምሳሕ ገበረሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑን ሰተዩን።
31
ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ንስንሳቶም ተመሓሓሉ። ይስሓቅ ከዓ ኣፋነዎም፤ ካብኡ ድማ ብሰላም ከዱ።
32
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣገልገልቲ ይስሓቅ መፂኦም ብዛዕባቲ ዝዀዓትዎ ዒላ ነገርዎ፤ “ማይ ረኺብናሉ” ድማ በልዎ።
33
ንሱ ድማ ነቲ ዒላ “ሳቤህ” ኢሉ ሰመዮ። ስለዙይውን እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ “ቤርሳቤህ ተብሂላ” ትፅዋዕ ኣላ።
34
ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ድማ፥ ንጓል እቲ ኬጢያዊ ይሁዲትን፥ ንጓል ኤሎን እቲ ኬጢያዊ ቤሴሞትን ኣእተወን።
35
እዚኣተን ከዓ ንይስሓቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ኾናኦም።
← Chapter 25
Chapter 27 →