bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 23
Genesis 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳራ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ኮና፤ እዚኣተን እየን ዓመታት ሳራ።
2
ኣብ ቂርያትኣርባቅ ሞተት፤ ንሳውን ኣብ ምድሪ ከነዓን እትርከብ ኬብሮን እያ። ኣብርሃም ከዓ ንሳራ ኽሓዝነላን ክበኽየላን ጀመረ።
3
ኣብርሃም ካብቲ ጥቓ ሬሳ ተሲኡ፥ ንደቂ ኬጢ
4
“ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ጋሻን ስደተኛን እየ። ኣባኻትኩም ርስቲ መቓብር ሃቡኒ፤ ሬሳይውን ካብ ቅድመይ ክቐብር” በሎም።
5
ደቂ ኬጢ ድማ ንኣብርሃም
6
“ጐይታና! ስምዐና፤ ንስኻ ኣብ ማእኸልና፥ ኣምላኽ ዝሸመካ መስፍን ኢኻ። ካብቲ ናይ መቓብር ቦታና ኣብ ዝመረፅካዮ ቕበር። ካባና ሓደ እኳ ንሬሳኻ ኸይትቐብር መቓብር ዝኽልክለካ የለን” ኢሎም መለሱሉ።
7
ኣብርሃም ከዓ ተሲኡ፥ ንህዝቢ እታ ሃገር ንደቂ ኬጢ፥ ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአሎም።
8
“ሬሳይ ካብ ቅድመይ ክቐብር ካብ ፈቐድኩምለይስ ስምዑኒ፤ ንኤፍሮን ወዲ ፆሓር፥ ነታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ ናቱ በዓቲ ኽህበኒ እሞ፥ ንመቓብር ርስቲ ኽትኮነኒ ኣብ ቅድሜኹም ብምሉእ ዋጋ ኽህበኒ ለምኑለይ” በሎም።
10
ኤፍሮን ድማ ኣብ ማእኸል ደቂ ኬጢ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ንሱውን ኵሎም እቶም ደቂ ኸተማኡ፥ ደቂ ኬጢ፥ እናሰምዑ ንኣብርሃም፥
11
“ኣይፋልካን ጐይታይ፥ ስምዐኒ ደኣ፤ እታ ግራትን፥ እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ደቂ ህዝበይ እናረአዩ እህበካ ኣለኹ፥ ሬሳኻ ቕበር” በሎ።
12
ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአ።
13
ንኤፍሮን ድማ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ “በይዛኻ ስምዐኒ! ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህበካ ተቐበለኒ እሞ ሬሳይ ኣብኣ ኽቐብር” በሎ።
14
ኤፍሮን ድማ ንኣብርሃም
15
“ጐይታይ! ስምዐኒ ደኣ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር ዝዋጋኡ ምድሪ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እዩ? ሬሳኻ እንዶ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ።
16
ኣብርሃም ከዓ ነቲ ኤፍሮን ደቂ ኬጢ እናሰምዑ ዝተዛረቦ ዋጋ ሰሚዑ፥ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሸርፊ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር መዘነሉ።
17
በዝ ኸምዙይ ከዓ እታ ኣብ ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዝነበረት ግራት ኤፍሮን፥ እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዅሉ ወሰና ዝነበረ ኣእዋምን፥
18
ኣብ ቅድሚ ደቂ ኬጢን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም በታ በሪ እታ ኸተማ ዝኣትዉ ዝነበሩን፥ ንኣብርሃም ርስቱ ኾነት።
19
ድሕሪዙይ ድማ ኣብርሃም ንሳራ ሰበይቱ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ፥ ኣብ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ከነዓን ቀበራ።
20
እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ፥ ካብ ደቂ ኬጢ ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ፀንዐት።
← Chapter 22
Chapter 24 →