bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 18
Genesis 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብርሃም፥ ብቐትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ኣብ ኣእዋም መምሬ፥ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ።
2
ኣዒንቱ ቘላሕ እንተበለ፥ እንሆ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረአዮም ድማ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ብድድ ኢሉ ኽቕበሎም ጐየየ፤ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉውን ሰገደ።
3
ንሱ ድማ፦ “ኦ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንባርያኻ ኸይትሓልፈኒ እልምን ኣለኹ።
4
ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ።
5
ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ፥ ቍራስ እንጀራ ኸምፅአልኩም፤ ልብኹም ደግፉሞ ብድሕሪኡ ትሓልፉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ።
6
ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብቲ ሳራ ዘላቶ ድንኳን ኣትዩ፥ “ቐልጢፍኪ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ኣቘምጢዕኺ ቕጫታት ሰንክቲ” በላ።
7
ሽዑ ኣብርሃም ናብቲ መጓሰ ኸፍቲ ዘለዋኦ ብጕያ ኸይዱ፥ ስቡሕ ጣዕዋ ወሲዱ፥ ነቲ ኣገልጋሊኡ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኸሰናድዎ ተቐላጠፈ።
8
ርግኦን ፃልጣ ፀባን፥ እቲ ዘዳለዎ ስጋ ጣዕዋን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሉ ነበረ።
9
ንሳቶም ድማ፥ “ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኣብርሃም ከዓ “ኣብ ውሽጢ ድንኳን እኒሃ” በሎም።
10
ሽዑ፥ እግዚኣብሄር “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ፥ ብርግፅ ክምለሰካ እየ፤ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ። ሳራ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ድንኳን ስለ ዝነበረት እዙይ ሰምዐት።
11
ሽዑ ኣብርሃምን ሳራን ዕድመኣቶም ዝደፍኡ ኣረጋውያን ነበሩ። ንሳራ ድማ እቲ ልማድ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ።
12
ሳራ ድማ ብልባ “ድሕሪ እርጋነይዶ ፍትወት ክኾነለይ ይኽእል? ጐይታይውን ፈፂሙ ኣሪጉ እዩ” ኢላ ሰሓቐት።
13
እግዚኣብሄር ከዓ ንኣብርሃም “ስለ ምንታይ ሳራ፥ ‘ኣሪገ እንተለኹዶ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ’ ኢላ ዝሰሓቐት?
14
ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ።
15
ሽዑ ሳራ ደንገፀት፤ ስለ ዝፈርሐትውን “ኣይሰሓቕኩን” በለት። ንሱ ግና “ኣይፋልክን፥ ስሒቕኪ እባ” በላ።
16
እቶም ሰባት ድማ ኻብኡ ምስ ተስኡ፥ ገፆም ንሰዶም ኣቢሎም ኣምርሑ። ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምስኣቶም ከደ።
17
እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ነቲ ኣነ ኽገብሮ ዘለኒ፥ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ?
18
ኣብርሃም ብሓቂ ዓቢይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩሞ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮምሞ።
19
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
20
እግዚኣብሄርውን በለ፦ ኣውያት ሰዶምን ገሞራን የመና በዚሑ እዩሞ፥ ሓጢኣቶም ከዓ እምብዛ ኸቢዱ እዩሞ፥
21
እምበኣር ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ገይሮም እንተ ኾይኖም ወሪደ ኽርኢ እየ፤ እንተ ዘይኮነውን ክፈልጥ እየ።
22
እቶም ሰባት ድማ ገፆም መሊሶም ናብ ሰዶም ኣምርሑ። ኣብርሃም ከዓ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ።
23
ኣብርሃምውን ቅርብ ኢሉ፦ “ብሓቂ ነቲ ፃድቕስ ምስ ሓጥእዶ ኽተጥፍኦ ኢኻ?
24
ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ፃድቃን እንተ ተረኽቡ፥ ብርግፅዶ ኽተጥፍኦም ኢኻ? ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ፃድቃን ኢልካ እኳዶ ነታ ቦታ ኣይትምሕራን?
25
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
26
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ከተማ ሰዶም ሓምሳ ፃድቃን እንተ ረኺበስ፥ ንዅላ እታ ኸተማ ምእንታኣቶም ኢለ ኽምሕራ እየ” በለ።
27
ኣብርሃም ድማ መሊሱ “እንሆ፥ ኣነ ሓመድን ሓመዅሽትን እንትኸውን ምስ ጐይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር፥
28
ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ፃድቃን ሓሙሽተ እንተ ጐደሉኸ፥ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ኽተጥፍኣ ኢኻ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኺበስ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
29
መሊሱ ድማ “ምናልባሽ ኣብኣ ኣርብዓ እንተ ተረኽቡኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ” በሎ።
30
ኣብርሃም ድማ “ክዛረብ እየ እሞ፥ ጐይታ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ሰላሳ እንተ ተረኽብዋኸ?” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ሰላሳ እንተ ተረኽቡውን ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
31
ኣብርሃም ድማ “እንሆ፥ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደኣ ደፊረ እምበር፥ ምናልባሽ ዕስራ እንተ ተረኽብዋኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
32
ኣብርሃም ድማ “ኦ ጐይታ! ሓንሳእ ጥራሕ ኽዛረብ እየ እሞ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ዓሰርተ እንተ ተረኽብዋኸ?” ኢሉ ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኣየጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰሉ።
33
እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
← Chapter 17
Chapter 19 →