bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 17
Genesis 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
2
ቃል ኪዳነይውን ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ከቕውም እየ፤ የመናውን ከብዝሐካ እየ” ድማ በሎ።
3
ኣብራም ከዓ ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እግዚኣብሄር ድማ፦
4
“እንሆ፥ ኣነ ቓል ኪዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣለኹ፤ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ።
5
ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ እሞ፥ ደጊም ስምካ ‘ኣብርሃም’ ደኣ እምበር፥ ኣብራም ተብሂሉ ኣይፀዋዕ።
6
የመና ኸብዝሐካ እየ፤ ብዙሕ ህዝቢ ኸም እትኸውን ድማ ኽገብር እየ፤ ነገስታትውን ካባኻ ኽወፁ እዮም።
7
“ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።
8
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ተዛረቦ “ንስኻ ኺዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፤ ንስኻን፥ ብድሕሬኻ ኸዓ ዘርእኻን ንውሉድ ወለዶ ኺዳነይ ክትሕልዉ ኢኹም።
10
እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ዘሎ፥ እትሕልውዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይገረዝ።
11
ስጋ ቝልፈትኩም ግረዙ። እዙይ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ።
12
ኣባኻትኩም ሸሞንተ መዓልቲ ዝገበረ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ፥ ኣብ ቤት ዝተወልደን፥ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደገን፥ ንውሉድ ወለዶ ይገረዝ።
13
ኣብ ገዛኻ ዝተወልደን ብገንዘብካ ዝተዓደገን ግድን ይገረዝ። እዙይ ኣብ ስጋኹም ዝፍፀም ኪዳን ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክኸውን እዩ።
14
ዘይተገረዘ ዅሉ ተባዕታይ፥ ስጋ ቝልፈቱ ዘይተገረዘ፥ እታ ነፍሲ እቲኣ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ትጥፋእ” በሎ።
15
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ንሰበይትኻ፥ ድሕሪ ደጊም ‘ሳራ’ እምበር ‘ሶራ’ ኢልካ ኣይትፀውዓያ።
16
ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ። እኖ ኣህዛብ ክትከውን ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ኸዓ ነገስታት ኣህዛብ ክወፁ እዮም” በሎ።
17
ሽዑ ኣብርሃም ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደ። “ወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይወልድ እዩ? ሳራኸ ጓል ተስዓ ዓመት ኮይናዶ ኽትወልድ ትኽእል እያ?” እናበለ ብልቡ ሰሓቐ።
18
ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር “እስማኤል ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዝነብር ምፈተኹ ነይረ” በሎ።
19
እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ሰበይትኻ ሳራ ወዲ ኽትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ‘ይስሓቅ’ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ኪዳነይ ከዓ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ።
20
ብዛዕባ እስማኤል ድማ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ። እንሆ ባሪኸዮ ኣለኹ፤ ከፍርዮን፥ የመናውን ከብዝሖን እየ። ዓሰርተ ኽልተ ኣሕሉቕ ክወልድ እዩ። ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ።
21
ግና ምስቲ ሳራ ንዓመታ፥ ከምዛ ጊዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሓቅ፥ ኪዳነይ ከቕውም እየ” በሎ።
22
ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድአ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኣብርሃም ተፈልዩ ደየበ።
23
ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ ዝተወለዱን፥ ኵሎም ብገንዘቡ ዝተዓደጉን፥ ካብ ቤተሰቡ ዅሉ ተባዕታይ ዝኾነ ወሲዱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገረዞም።
24
ኣብርሃም ክግረዝ እንተሎ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ነበረ።
25
ወዱ እስማኤል ድማ ኽግረዝ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ነበረ።
26
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብርሃምን እስማኤል ወዱን ተገረዙ።
27
ኵሎም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተወለዱ ቤተሰቡን፥ ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደጉን ምስኡ ተገረዙ።
← Chapter 16
Chapter 18 →