bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 19
Genesis 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ ሰገደ።
2
ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።
3
ንሱ ኸዓ ግዲ በሎም እሞ፥ ናብኡ ኣምርሑ፤ ናብ ገዛኡውን ኣተዉ። ቅጫ ሰንኪቱ ድማ ማእዲ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ።
4
ገና ኸይደቀሱ እንተለዉ ድማ፥ ሰብ ከተማ ሰዶም፥ ኣጓብዝን ዓበይትን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ኵሉ ኸባቢ መፂኡ፥ ነታ ገዛ ኸበባ።
5
ንሎጥ ፀዊዖም ከዓ “እዞም ብለይቲ ናብ ገዛኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ ኣለዉ? ምእንቲ ኽንራኸቦም፥ ናባና ኣውፅኣዮም” በልዎ።
6
ሎጥ ድማ ናብኣቶም ናብ ኣፍ ደገ ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ብድሕሪኡ ዓፅዩ ድማ፥
7
“ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ።
8
እንሆ፥ ብድንግልናአን ዘለዋ ኽልተ ኣጓላት ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፥ ደስ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና፥ ኣብ ፅላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፥ ኣብኣቶም ክፋእ ኣይትግበሩ” በሎም።
9
ንሳቶም ግና “ክላ ዘወር በል። ስደተኛ ኾይኑ ዝመፀስ፥ ዳኛ ኾይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፤ ካብኣቶም ንኣኻ ኽነግድደልካ ኢና” በልዎ። ንሎጥ ብሓይሊ ጐኒፆም ድማ ማዕፆ ኽሰብሩ ቐረቡ።
10
እቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ኣጋይሽ ግና ኣእዳዎም ዘርጊሖም፥ ንሎጥ ናብኣቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፤ ነቲ ማዕፆውን ዓፀውዎ።
11
ሽዑ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሰባት፥ ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ኣዒንቶም ኣዕወርዎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ኣፍ ደገ ኽረኽብዎ ደኸሙ።
12
እቶም ክልተ ሰባት ድማ ንሎጥ “ኣብዙይ ብዘይ እዚኣቶም ካልእ ሰብዶ ኣለካ? ሰብኣይ ጓልካን ኣወዳትካን ኣጓላትካን፥ ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዝኾነ ዅሉን፥ ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውፅኣዮም።
13
ብዝሒ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝበፅሐ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ነዛ ቦታ እዚኣ ኽነጥፍኣ ልኢኹና እዩ” በልዎ።
14
ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም።
15
ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ “እዛ ኸተማ ኽትጠፍእ እንተላ ኸይትልከምስ፥ ሰበይትኻን እዘን ኣብዙይ ዘለዋ ኽልተ ኣጓላትካን ሒዝካ ቐልጢፍካ ውፃእ” እናበሉ ኣዳፍእዎ።
16
ሎጥ ድማ ተደናጐየ፤ እግዚኣብሄር ክምሕሮ ስለ ዝደለየ ግና፥ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣጓላቱን ሒዞም ኣውፅእዎ፤ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ።
17
ናብ ወፃኢ ምስ ኣውፅእዎም፥ እቲ ሓደ “ነፍስኻ ኣድሕን፤ ንድሕሪት ገፅካ ግልፅ ኣይትበል፤ ኣብዝ ጐልጐል እዙይ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ ናብቲ እምባ ኣቢልካ ህደም” በሎ።
18
ሎጥ ግና “ኣይፋልካን ጐይታይ!
19
እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺበ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ድማ ዓብዪ ምሕረት ገበርካለይ። ሕዚ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽሃድም ኣይክእልን እየ፤ ጥፍኣት ከርክበኒ እዩ እሞ፥ ክመውት እየ።
20
በይዛኻ እኒሃ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ሃዲምካ ንምምላጥ ቀረባ እያ፤ ንእሽተይ ከዓ እያ፤ እምበኣር ነፍሰይ ንምድሓን ናብኣ ኽሃድም” በሎ።
21
ንሱ ኸዓ “ነዝ ልመናኻ ተቐቢለዮ ኣለኹ፤ ነዛ እትዛረበላ ዘለኻ ኸተማውን ኣየጥፍኣን እየ።
22
ኣብኣ እንተይበፃሕኻ ዝኾነ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፥ ቀልጢፍካ ናብኣ ህደም” በሎ። በዙይ ከዓ እታ ኸተማ ዞዓር ተብሃለት።
23
ሎጥ ናብ ዞዓር ምስ ኣተወ፥ ኣብታ ምድሪ ፀሓይ በረቐት።
24
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ።
25
ነዘን ከተማታት እዚኣተንን፥ ንዅሉ ጐላጕልን፥ ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብን፥ ኣብኡ ንዝነበረ በቝሊ ምድርን ገለባበጠ።
26
ሰበይቲ ሎጥ ግና ኽትርኢ ንድሕሪት ግልፅ በለት፤ ሓወልቲ ጨው ከዓ ኾነት።
27
ንፅባሒቱ ድማ፥ ኣብርሃም ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንጊሁ ኸደ።
28
ናብ ሰዶምን ገሞራን ናብ ኵሉ እቲ ጐላጕል ምድርን ኣማዕደወ፤ እንሆ ኻብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ እንትለዓል ረአየ።
29
እግዚኣብሄር ከዓ ነተን ኣብ ጐላጕል ዝነበራ ኸተማታት ክግልብጠን እንተሎ፥ ንኣብርሃም ዘከሮ። ንሎጥ ድማ ኻብቲ ነተን ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ዝገልበጠን ጥፍኣት ኣድሓኖ።
30
ሎጥ ከዓ ኣብ ዞዓር ምቕማጥ ስለ ዝፈርሐ፥ ካብ ዞዓር ወፂኡ፥ ንኽልቲአን ኣዋልዱ ሒዙ ኣብቲ ጎቦታት ተቐመጠ። ንሱን ክልቲአን ኣዋልዱን ድማ ኣብ በዓቲ ተቐመጡ።
31
እታ በዅሪ ኸዓ ነታ ንእሽተይ፥ “ኣቦና ኣሪጉ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ኸም ልማድ ኵሉ ምድሪ፥ ዝምርዐወና ሰብኣይ የለን።
32
ንዒ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፤ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ምስኡ ንደቅስ” በለታ።
33
በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፥ እታ በዅሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን።
34
ንፅባሒቱ ድማ እታ በዅሪ ነታ ንእሽተይ “እንሆ፥ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ። በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፥ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ድማ፥ ንስኺ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ” በለታ።
35
በታ ለይቲ እቲኣውን ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፤ እታ ንእሽተይ ከዓ ኸይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን።
36
ክልቲአን ደቂ ሎጥ ከዓ ኻብ ኣቦአን ጠነሳ።
37
እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፤ ሞኣብ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ንሱ ናይ እዞም ሞኣባውያን ኣቦ እዩ።
38
እታ ንእሽተይውን ወዲ ወለደት፤ ወዲ ወገነይ እንትትብል፥ ኣሞን ኢላ ሰመየቶ። ንሱ ክሳዕ ሎሚ ናይዞም ኣሞናውያን ዝበሃሉ ኣቦ እዩ።
← Chapter 18
Chapter 20 →