bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 16
Genesis 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰበይቲ ኣብራም ሶራ ግና፥ ንኣብራም ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ኣገልጋሊት ድማ ነበረታ።
2
ሶራ ኸዓ ንኣብራም “እንሆ፥ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ፤ ምናልባሽ ብኣኣ ውሉድ እንተ ረኸብኩ፥ በይዛኻ ናብታ ግዝእተይ እቶ” በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሶራ ሰምዐ።
3
ስለዙይ ሶራ ሰበይቲ ኣብራም ነታ ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ግዝእታ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንኣብራም ሃበቶ። እዙይ ዝኾነ ድማ ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ እዩ።
4
ኣብራም ከዓ ናብ ኣጋር ኣተወ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ንእምበይተኣ ብዓይና ኣቃለለታ።
5
ሶራ ድማ ንኣብራም “እዝ ዝግፍዖ ዘለኹ ኣብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሃብኩኻ፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ብዓይና ኣቃሊላትኒ፤ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ።
6
ኣብራም ድማ ንሶራ፥ “እኒሃ፥ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፤ ከም ዝደለኺ ግበርያ” በላ። ሽዑ ሶራ ንኣጋር ኣሳቐየታ፤ ንሳ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣ ሃደመት።
7
መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ በረኻ ኣብ ጥቓ መንገዲ ሱር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ረኸባ።
8
ንሱ ድማ “ኣቲ ኣጋር፥ ኣገልጋሊት ሶራ፥ ካበይ መፂእኺ? ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ኻብ ቅድሚ እምበይተይ ሶራ እሃድም ኣለኹ” በለት።
9
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ እምበይተኺ ተመለሲ፤ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ተገዝእያ” በላ።
10
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽቝፀር ክሳዕ ዘይከኣል፥ ከብዝሖ እዩ” በላ።
11
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ “እንሆ፥ ጥንስቲ ኢኺ፤ ወዲ ኸዓ ኽትወልዲ ኢኺ፤ እግዚኣብሄር መከራኺ ሪኡ እዩ እሞ፥ ስሙ እስማኤል በሊዮ።
12
ንሱ ኣድጊ በረኻ ዝመስል ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ፥ ኢድ ኵሉውን ኣብ ልዕሊኡ ክኸውን እዩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኽነብር እዩ” በላ።
13
ኣጋር ድማ “ነቲ ዝሪአንስ ኣብዙይዶ ሪአዮ?” እንትትብል ነቲ ዝተዛረባ እግዚኣብሄር “ዝርኢ ኣምላኽ” ኢላ ሰመየቶ።
14
ስለዙይ እቲ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን ዘሎ ዒላ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ ዒላ” ተብሃለ።
15
ኣጋር ከዓ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ “እስማኤል” ኢሉ ሰመዮ።
16
በቲ ኣጋር ንእስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ፥ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሽዱሽተን ዓመት ነበረ።
← Chapter 15
Chapter 17 →