bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 15
Genesis 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
2
ኣብራም ከዓ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እቲ እትህበኒ እንታይ እዩ? እንሆ፥ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ኣለኹ፤ ቤተይን ንብረተይን ዝወርስ ድማ በዓል ደማስቆ ኤልኤዘር እዩ” በለ።
3
ኣብራም ኣስዒቡ “ውሉድ ኣይሃብካንን፤ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ ዝተወለደ ኽወርሰኒ እዩ” በለ።
4
እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ካባኻ ዝተወልደ እዩ ዝወርሰካ እምበር፥ እዙይስ ኣይወርሰካን እዩ” በሎ።
5
ንደገ ኣውፂኡ ድማ “ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር” በሎ። ኣስዒቡውን “ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ።
6
ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ።
7
እግዚኣብሄር ድማ “ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ዘውፃእኹኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” በሎ።
8
ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።
9
እግዚኣብሄር ድማ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ዓርሕን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ማጕላ በጊዕን ኣምፅአለይ፤ ባሪቶን ርግብንውን ኣምፅአለይ” በሎ።
10
ኣብራም ከዓ እዝ ዅሉ ኣምፂኡ ኣብ ከክልተ መቐሎ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ከዓ፥ ኣብ መንፅር እቲ ሓደ ምቃል ኣቐመጦ። ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይመቐለንን።
11
ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፤ ኣብራም ግና የባርሮም ነበረ።
12
ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀን ግብ ዝበለ ፀልማትን ወደቖ።
13
ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ።
14
ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም።
15
ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብፅቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ።
16
ፅዋዕ ዓመፅ ኣሞራውያን ገና ኣይመልአን እዩ እሞ፥ ንዘርእኻ ኣብ ራብዓይ ትውልዲ ናብዙይ ክመልሶም እየ” በሎ።
17
ፀሓይ ምስ ዓረበት፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ምስ ኮነ ኸዓ፥ እንሆ ዝተክኽ እቶንን ሃልሃል ዝብል ሓዊን ብመንጎ እቲ ዝተመቐለ ሓለፈ።
18
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥
19
ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቀድሞናውያንን
20
ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ራፋይምንን
21
ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ጌርጌሳውያንን ኢያቡሳውያንን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” ኢሉ ኺዳን ኣተወ።
← Chapter 14
Chapter 16 →