bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 14
Genesis 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ዘመንቱይ ኣምራፌል ንጉስ ሰናኦር፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳር፥ ኮሎዶጎምር ንጉስ ዔላም፥ ቲድዓል ድማ ንጉስ ጐይም፥
2
ምስ ባላ ንጉስ ሰዶም፥ ምስ ብርሳ ንጉስ ገሞራ፥ ምስ ሰነዓር ንጉስ ኣዳማ፥ ምስ ሰሜበር ንጉስ ሰቦይም፥ ምስ ንጉስ ቤላ (ንሳ ኸዓ ዞዓር) ውግእ ገጠሙ።
3
እዚኣቶም ኵላቶም ናብቲ ጐልጐል ሲዲም ተብሂሉ ዝፅዋዕ ባሕሪ ጨው ተኣከቡ።
4
ንኮሎዶጎምር ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ተገዚኦምዎ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ድማ ዓመፁ።
5
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኮሎዶጎምርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ሓቢሮም መፂኦም፥ ንራፋውያን ኣብ ኣስጣሮት ቃርናይም፥ ንዙዛውያን ኣብ ሃም፥ ንኤሚማውያን ኣብ ጐልጐል ቃርያታይም፥
6
ንሆራውያን ኣብ ኰረብታ ሴይር፥ ክሳዕ እታ ኣብ ጫፍ ምድረ በዳ ዘላ ኤል ፋራን፥ ሰዓርዎም።
7
ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም።
8
ሽዑ ንጉስ ሰዶምን ንጉስ ገሞራን ንጉስ ኣዳማን ንጉስ ሰቦይምን ንጉስ ናይታ ዞዓር እትበሃል ቤላን ወፂኦም፥ ምስ ኮሎዶጎሞር ንጉስ ዔላምን፥ ቲድዓል ንጉስ ጐይምን፥ ኣምራፌል ንጉስ ሰናዖርን፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳርን፥ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ነገስታት ክዋግኡ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ተሰለፉ።
10
እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ።
11
እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ከዓ ናይ ሰዶምን ገሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዝብላዕን ዘሚቶም ከዱ።
12
ሎጥ፥ ወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ፥ ኣብ ሰዶም ይነብር ስለ ዝነበረ፥ ምስ ጥሪቱ ማሪኾም ወሰድዎ።
13
ካብኡ ዘምለጠ ሓደ ሰብ፥ ናብቲ ዕብራዊ ኣብራም፥ መፂኡ ነቲ ዝኾነ ነገሮ። ኣብራም ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ፥ እቲ ኣሞራዊ፥ ሓው ኤሽኮልን ሓው ኣውናንን ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ።
14
ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፥ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣብ ገዛኡ ዝተወለዱ፥ ፍቱናት ሰባት ኣዕጢቑ፥ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኣቶም ሰዓበ።
15
ንሱን ኣገልገልቱን ተመቓቒሎም ከዓ ብለይቲ ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሆባ፥ ሰሜን ደማስቆ፥ ድማ ኣሳጐጕዎም።
16
ነቲ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣምለሶ። ንሎጥ ሓዉን ጥሪቱን ከምኡ ኸዓ፥ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ።
17
ኣብራም ንኮሎዶጎሞርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ ንጉስ ሰዶም ክቕበሎ ናብቲ ሩባ ንጉስ ዝበሃል ሩባ ሴዊ ወፀ።
18
እቲ ኻህን ልዑል እግዚኣብሄር ዝኾነ መልከፄዴቅ ንጉስ ሳሌም ድማ እንጀራን ወይንን ኣምፅአ።
19
ንሱ ድማ ንኣብራም “ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ይባርኽካ።
20
እቲ ንፀላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ቡሩኽ ይኹን” እናበለ ባረኾ። ኣብራም ድማ ኻብ ኵሉ ኣስራት ሃቦ።
21
ንጉስ ሰዶም ከዓ ንኣብራም፥ “ነቶም ሰባት ሃበኒ፤ ነቲ ጥሪት ግና ንኣኻ ውሰዶ” በሎ።
22
ኣብራም ድማ ንንጉስ ሰዶም “ናብ ስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር ኢደይ ኣልዒለ ኣለኹ።
23
‘ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ’ ኸይትብልስ፥ ፈትሊ ኾነ ስራኽ ኣሳእን ካብ ናትካ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ።
24
እንትርፊ እቶም ኣጓብዝ ዝበልዕዎ፥ ንባዕለይ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ። እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት፥ ኣውናንን ኤስኮልን መምሬን ግና ግደኦም ይውሰዱ” በሎ።
← Chapter 13
Chapter 15 →