bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezra 9
Ezra 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እዝ ነገር እዙይ ምስ ተወድአ ድማ፥ እቶም ኣሕሉቕ ናባይ ቀሪቦም ከምዙይ በሉ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ከምቲ ናይ ከነዓናውያን ናይ ኬጢያውያን፥ ናይ ፌርዛውያን፥ ናይ ኢያቡሳውያን፥ ናይ ኣሞናውያን፥ ናይ ሞኣባውያን፥ ናይ ግብፃውያንን፥ ናይ ኣሞራውያንን ርኽሰት ይገብሩ ኣለዉ እምበር፥ ካብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈለዩን።
2
እዙይ ከዓ ንኣኣቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፥ ነቲ ቕዱስ ዘርኢ ኸዓ ምስ ኣህዛብ ምድሪ እዘን ሃገራት እዚኣተን ስለ ዝሓወሱ እዩ። ነዝ ዓመፃ እዙይ ዋናታት ዝኾኑውን እቶም መራሕቶምን ሹመኛታቶምን እዮም” በሉኒ።
3
ነዝ ነገር እዙይ ምስ ሰማዕኹ ድማ፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፤ ፀጒሪ ርእሰይን ጭሕመይንውን ነፀኹ፤ ሓዚነ ድማ ኮፍ በልኩ።
4
ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዝፈርሑ ዅላቶም ብዛዕባ ዓመፃ እቶም ካብ ምርኮ እተመለሱ ናባይ ተኣከቡ። ኣነ ኸዓ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ሓዚነ ኾፍ በልኩ።
5
ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ድማ ምስ ቅዱድ ክዳነይን ባርኖሰይን ካብ ሓዘነይ ተሳእኹ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኹ።
6
ከምዙይ ኢለ ድማ ፀለኹ፦ “ኦ ኣምላኸይ፥ ሓጢኣትና ልዕሊ ርእስና በፂሑ፤ ኣምላኸይ፥ ገፀይ ናባኻ ቕንዕ ምባል የሕፍረንን የፍርሐንን።
7
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
8
“ሕዚ ግና ተረፍ ክሓድገልናን ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሽኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሀልናን፥ ኣብ ባርነት እንተለና ቑሩብ ምሕዳስ ህይወት ክህበናን፥ ንቑሩብ ጊዜ ሞገስ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተውሂቡና ኣሎ።
9
ንሕና ባሮት ኢናሞ፥ ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን፤ ምሕዳስ ህይወት ምእንቲ ኽህበና፥ ቤት ኣምላኽናውን ክንሰርሕ፥ እቲ ዝፈራረሰ ቅፅርውን ክንሕድስ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ቅፅሪ ኽግበረልና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረቱ ሃበና።
10
“ኦ ኣምላኽና እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ንሳ ብርኽሰት እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለዉ ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትፀንዑን ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፥ ደቅኹም ከዓ ንዘለኣለም ክወርስዋስ፥ ሕዚ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ። ኣዋልዶም ከዓ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ድሕንነቶምን ኣይትድለዩ ኢልካ ብባሮትካ ነቢያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፥ ሕዝኸ ድሕሪዙይ እንታይ ክንብል ኢና?
13
“እዝ ዅሉ ዝበፅሐና ብሰንኪ ኽፉእ ስራሕናን ብሰንኪ ብዙሕ በደልናን እዩ፤ ንስኻ ኣምላኽና ግና፥ ከም ብዝሒ በደልና ኣይቐፃዕኻናን፤ እኳ ድኣ ተረፍ ሃብካና እምበር።
14
ትእዛዝካ ኽነፍርስ ተመሊስና ኢናሞ፥ ምስ እዞም ርኹስ ስራሕ ዝሰርሑ ኣህዛብውን ተዋሲብና ኢናሞ፥ ካባና ኻብ ሞት ዘምልጥ ኽሳዕ ዘይህሉ ፈፂምካ ኣይትቈጠዐና።
15
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኒሀና፤ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዓመፃና ኣለና፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ዝኽእል የለን።”
← Chapter 8
Chapter 10 →