bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezra 10
Ezra 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።
2
ካብ ደቂ ዔላም ሴኬንያ ወዲ ይሒኤል ንእዝራ ኸምዙይ በሎ፦ “ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕዚ ኸዓ በዝ ነገር እዙይ ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ።
3
እምበኣርከስ ሕዚ ኸም ምኽሪ ጐይታይን ከም ምኽሪ እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሑን ሰባት፥ ንዅለን ኣንስትን እቶም ካብኣተን እተወለዱን ንስደድ፤ ምስ ኣምላኽና ቃል ኺዳን ንእቶ፤ ከም ሕጉውን ይፈፀም።
4
እዝራ፥ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ ይግባእ እዩሞ ተስእ፤ ተቢዕኻ ግበሮ፤ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።”
5
ሽዑ እዝራ ተሲኡ ነሕሉቕ ካህናትን ንሌዋውያንን ንዅላቶም እስራኤልን እዝ ነገር እዙይ ክፍፅሙ ኣምሓሎም፤ ንሳቶም ከዓ መሓሉ።
6
እዝራ ድማ ኻብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ተሲኡ፥ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ኣተወ። ናብኡ ኸይዱ ኸዓ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጒሂ ነበረ እሞ እንጀራ ኣይበልዐን ማይውን ኣይሰተየን።
7
እቶም ደቂ ምርኮ ዅሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ ድማ፥ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣዋጅ ተነግረ።
8
ከም ምኽሪ እቶም ኣሕሉቕን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመፀ፥ ገንዘቡ ይወረስ፤ ንሱ ድማ ኻብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወፁ ይፈለ ተብሂሉ ተኣወጀ።
9
ኣብ ውሽጢ እተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ። ብታሽዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኵሎም እቶም ህዝቢ በዝ ነገር እዙይን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናንቀጥቀጡ ኣብ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
10
እዝራ እቲ ኻህን ከዓ ብድድ ኢሉ “ንስኻትኩም ንዓመፅ እስራኤል ክተብዝሑ፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም በደልኩም።
11
ሕዚ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙ፤ ፍቓዱውን ፈፅሙ፤ ኣብ ዙርያኻትኩም ካብ ዘለዉ ኣህዛብን ካብተን ጓኖት ኣንስትኹምን ተፈለዩ” በሎም።
12
ሽዑ ዅሎም እቶም ጉባኤ፥ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከምዙይ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብአና እዩ።
13
ይኹን እምበር እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ብዙሕ እዩ፤ ጊዜኡ ኸዓ ጊዜ ዓቢዪ ዝናም እዩሞ፥ ኣብ ደገ ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዝ ነገር እዙይ ብዙሕ በዲልና ኢና እሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ስራሕ ኣይኮነን።
14
ስለዙይ እቶም ኣሕሉቕና ኽንዲ እቲ ጉባኤ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረኸበና ብርቱዕ ቝጥዓ ኣምላኽና ኻባና ኽሳዕ ዝምለስ እቶም ኣብ ከተማታትና ዘለዉ፥ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ፥ ምስኣቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ዅለን ከተማታትን ብምዱብ ጊዜ ይምፅኡ።”
15
ዮናታን ወዲ ኣሳሄልን የሕዝያ ወዲ ቴቁዋን ጥራሕ ነዙ ነገርዙይ ተቓወሙ፤ ሜሱላምን ሳባታይ ሌዋዊን ከዓ ደገፍዎም።
16
እቶም ደቂ ምርኮውን ከምኡ ገበሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኵላቶም በብስማቶም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ክምርምሩ ተቐመጡ።
17
ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ዅሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ።
18
ካብ ደቂ ካህናት ከዓ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰባት ተረኸቡ፤ ካብ ደቂ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ኣሕዋቱን ድማ ማዕሴያን ኣልኣዛርን ያሪብን ጎዳልያስን፥
19
ኣንስቶም ክፈትሑ ኣእዳዎም ሃቡ። ስለ በደሎምውን፥ ካብ መጓሰኦም ሓድሓደ ማጕላ መስዋእቲ ኣቕረቡ።
20
ካብ ደቂ ኢሜር ድማ፥ ኣናኒ ዝባድያ።
21
ካብ ደቂ ካሪም ከዓ መዕሴያ ኤሊያስን ይሒኤልን ዖዝያን።
22
ካብ ደቂ ፋስኩርውን፥ ኤልዮዔናይ፥ መዕሴያ፥ ይስማኤል፥ ናትናኤል፥ ዮዛባት ኤልዓሳ።
23
ካብ ሌዋውያን ድማ፥ ዮዛባት ሰሜዒ ቆሊጣስ ዝበሃል ቆልያ፥ ፈታያ፥ ይሁዳ፥ ኣልዓዛር።
24
ካብ መዘምራንውን፥ ኤልያሴብ፥ ካብ ሓለውቲ በሪ ሰሎም፥ ጤሌም፥ ኡሪ።
25
ካብቶም ካልኦት ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ዘርኢ ፋሮስ፥ ራምያ፥ ይዝያ፥ መልክያ፥ ሚያሚን፥ ኣልዓዛር፥ መልክያ፥ በናያስ።
26
ካብ ደቂ ዔላም፥ ሙታንያን፥ ዘካርያስ፥ ይሒኤል፥ ዓብዲ፥ ይሬሞት፥ ኤልያ።
27
ካብ ደቂ ዛቱዕውን ኤልዮ ኤናይ፥ እልያሴብ፥ ሙታንያ፥ ይሬሞት፥ ዛባድን ዓዚዛ።
28
ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ ይሆሓና ሓናንያ ዘባይን ዓጥላይ።
29
ካብ ደቂ ባኒ ድማ ሜሱላም፥ መሉክ፥ ዓዳያ፥ ያሱብ፥ ሸኣል፥ ራሞት።
30
ካብ ደቂ ፈሓት ሞኣብ ከዓ ዓድና፥ ክላል፥ በናያስ፥ መዕሴያ፥ ሙታንያ፥ ባስልኤል፥ ቢንዊ፥ ምናሴ።
31
ካብ ደቂ ካሪም ድማ ኣልዓዛር፥ ይሺያ፥ መልክያ።
32
ሸማያ፥ ስምኦን፥ ብንያም፥ መሉክ፥ ሰማራያ።
33
ካብ ደቂ ሓሱም፥ መትናያ፥ መተታ፥ ዛባድ፥ ኤሊፋላት፥ ይሬማይ፥ ምናሴ፥ ሰሜዒ።
34
ካብ ደቂ ባኒ፥ መዕዳይ፥ ዓምራም፥
35
ኡኤል፥ በናያስ፥ ቤድያ፥ ኬልቅያ፥
36
ወንያ፥ ሜሪሞት፥ ኤልያሴብ፥
37
መታንያ፥ መትናይ፥ የዕሱ፥
38
ባኒ ቢንዊ ሰሜኢ፥
39
ሰሌምያ፥ ናታን፥ ዓዳያ፥
40
መክናድባይ፥ ሴሴይ፥ ሸራይ፥
41
ኤዝርኤል፥ ሴሌምያን፥ ሰማራያ፥
42
ሰሎም ኣማርያ፥ ዮሴፍ።
43
ካብ ደቂ ናባው፥ ይዔኤል፥ መቲትያ፥ ዛባድ፥ ዘቢና፥ ያዳይ፥ ኢዮኤል፥ በናያስ እዮም።
44
እዚኣቶም ኵሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፤ ካብኣተንውን ዝወለዳሎም ኣንስቲ ነበራ።
← Chapter 9