bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezra 8
Ezra 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፤ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርጤክስስ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸዓ መፅሓፍ ወለዶኦም እዙይ እዩ፦
2
ካብ ደቂ ፊንሃስ፥ ጌርሶን፤ ካብ ደቂ ኢታምር፥ ዳንኤል፤ ካብ ደቂ ዳዊት፥ ሓጡስ፤
3
ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ካብ ደቂ ፋሮስ፥ ዘካርያስ፤ ከምቲ ፅሑፍ ትውልዶም ከዓ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ኣወዳት ብትውልዲ ተቘፀሩ።
4
ካብ ደቂ ፋሓት፥ ሞዓብ፤ ኤሊሆዔናይ ወዲ ዘራእያ፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ኣወዳት።
5
ካብ ደቂ ሴኬንያ፥ ወዲ የሕዚኤል፤ ምስኡ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣወዳት።
6
ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፥ ዔቤድ ወዲ ዮናታን፤ ምስኡውን ሓምሳ ኣወዳት።
7
ካብ ደቂ ዔላም ከዓ፥ የሻያ ወዲ ጎቶልያ፤ ምስኡውን ሰብዓ ኣወዳት።
8
ካብ ደቂ ሰፋጥያስ ድማ፥ ዝባድያ ወዲ ሚካኤል፤ ምስኡውን ሰማንያ ኣወዳት።
9
ካብ ደቂ ኢዮኣብ፥ ኣብድዩ ወዲ ይሒኤል፤ ምስኡ ድማ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣወዳት።
10
ካብ ደቂ ሰሎሚት ከዓ፥ ወዲ ዮሲፍያ፤ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ኣወዳት።
11
ካብ ደቂ ቤባይ ከዓ፥ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፤ ምስኡውን ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳት።
12
ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፥ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፤ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ኣወዳት።
13
ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕረዎት ስሞም እዙይ እዩ፦ ኤሊፋላት፥ ይዑኤል፥ ሸማያ፥ ምስኣቶምውን ስሳ ኣወዳት።
14
ካብ ደቂ በጉዋይ ከዓ፤ ዑታይን ዘቡድን፥ ምስኣቶምውን ሰብዓ ኣወዳት።
15
ነቶም ህዝቢ ናብ ኣህዋ ኣቢሉ ናብ ዝውሕዝ ሩባ ድማ ኣከብክዎም። ኣብኡ ኸዓ ሰለስተ መዓልቲ ሰፈርና። ንህዝብን ካህናትን ቈፂረ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
16
ሽዑ ነቶም ኣሕሉቕ፥ ናብ ኣልኣዛር፥ ናብ ኣርኤል፥ ናብ ሸማያ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ያሪብ፥ ናብ ኤልናታን፥ ናብ ናታን፥ ናብ ዘካርያስ፥ ናብ ሜሱላም፥ ናብቶም መምህራን ከዓ ናብ ዮያሪብን ናብ ኤልናታንን ለኣኽኩ።
17
ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፥ ናብ ኣዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ቤተ መቕደስ ካሲፍያ ንዝነበሩ ንኣዶን ነሕዋቱን ንናታኒምን፥ ንቤት ኣምላኽና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኽሰዱልና ኸዓ፥ ክዛረብዎም ዝግብኦም ቃላት ነጊረ ሰደድክዎም።
18
እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝነበረት፥ ካብ ደቂ ሞሖሊ የመና ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ እስራኤል ሰራብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ሸሞንተ ኣምፅኡልና።
19
ከምኡውን ንሓሸብያ፥ ምስኡ ድማ ንየሻያ ኻብ ደቂ ሜራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ ኣወዳት ኣምፅኡልና።
20
ካብ ናታኒም ድማ ዳዊትን ኣሕሉቕን ንሌዋውያን ከገልግሉ ዘመረፅዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ናታኒም ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ዅላቶም ሰደዱልና። እዚኣቶም ኵሎም በብስሞም ተመዝገቡ።
21
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።
22
ንንጉስ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንዝደልይዎ ዅላቶም ንፅቡቕ፥ ስልጣኑን ቍጥዓኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፥ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኻብ ፀላእቲ ኸድሕኑና፥ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ።
23
ብዛዕባ እዙይ ከዓ ፆምናን ናብ ኣምላኽና ፀለናን፤ ንሱ ድማ ሰምዐና።
24
ካብ ሊቃነ ኻህናት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሰባትን፥ ሰራብያን ሓሸቢያን፥ ምስኣቶም ድማ ኻብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈለኹ።
25
እቲ ንጉስን መማኽርቱን ኣሕሉቑን፥ እቶም ካብ እስራኤል እተረኽቡ ዅላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ውህብቶኦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዚነ ሃብክዎም።
26
ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን መክሊት ብሩር፥ ኣቑሑ ብሩር ድማ ሚእቲ መክሊት፥ ወርቂ ሚእቲ መክሊት፥ ዕስራ ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ ሽሕ ዳሪክ ዝተመዝነ፥ ክልተ ጭሐሎ ድማ ኸም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ፅሩይ ዘንፀባርቕ ነሃስ እተሰርሐ ኣቑሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሃብክዎም።
28
ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝተቐደስኩም ኢኹም፥ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናይ ፍቓድ ውህብቶ እዩ።
29
ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቀቑን ሓልዉን” በልክዎም።
30
እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ናብ ቤት ኣምላኽና ናብ ኢየሩሳሌም ክወስድዎ ወርቅን ኣቑሑን ብሚዛን ተረከቡ።
31
ብቐዳመይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ክንከይድ፥ ካብ ሩባ ኣህዋ ተልዓልና። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ነበረት እሞ ኣብ መንገዲ ኻብ ኢድ ፀላእን ካብ ዘድብዩን ኣድሓነትና።
32
ናብ ኢየሩሳሌም ድማ በፃሕና፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ቀነይና።
33
በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እቲ ብሩርን ወርቅን እቲ ኣቑሑን፥ ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ ሜሪሞት ወዲ ኻህን ኦርዮ ተመዘነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሓስ ነበረ፤ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሌዋውያን፥ ዮዛባት ወዲ ኢያሱን፥ ኖዓድያ ወዲ ቢንዊን ነበሩ።
34
ኵሉ ተቘፀረን ተመዘነን፤ በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ ዅሉ እቲ እተመዘነ ተመዝገበ።
35
እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመፁ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት ስለ ዅሎም እስራኤል፥ ተስዓን ሽዱሽተን ማጓሉ፥ ሰብዓን ሸውዓተን ጡቦታት፥ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዝ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ነበረ።
36
እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ሰገር ንየው ሩባ ንዝነብሩ መሳፍንትን ሃብዎም። ንሳቶም ድማ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።
← Chapter 7
Chapter 9 →