bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezra 7
Ezra 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ብመንግስቲ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ፥ እዝራ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥
2
ወዲ ሰሎም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ ኣኪጦብ፥
3
ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ መራዮት፥
4
ወዲ ዘራእያ፥ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ቡቂ፥
5
ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥
6
እዝ እዝራ ካብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ፈጣን ፀሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ፥ ዝደለዮ ዅሉ ንጉስ ሃቦ።
7
ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ መዘምራንን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ናታኒምን ከዓ ብሻውዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርጤክስስ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።
8
ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሐ።
9
ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ክድይቡ ጀመሩ፤ እታ ሕያወይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረት፥ በታ ሓምሸይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።
10
እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፥ ስርዓትን ፍርድን ከዓ ኣብ እስራኤል ክምህርን ልቡ ኣዳለወ።
11
ንጉስ ኣርጤክስስ ብዛዕባኡ እዝራ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝተውሃበ ትእዛዛትን ሕግጋትን ዝፅሕፍ ፀሓፊ፥ ዝሃቦ ፅሑፍ እቲ ቅዳሕ እዙይ እዩ፦
12
“ካብ ንጉሰ ነገስት ኣርጤክስስ፥ ንፀሓፊ ኣምላኽ ሰማይ ንኻህን እዝራ፥ ምሉእ ሰላም ይኹን።
13
“ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ዝደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ዅሉ፥ ምሳኻ ይኺድ፥ ኢለ ኣዚዘ ኣለኹ።
14
በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ክትምርምር፥ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን፥ ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ድማ፥ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ውህብቶ፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፥ ካብ ንጉስን ካብቶም ሸውዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።
17
ሕዚ ድማ በዝ ገንዘብ እዙይ ጌርኩም ዝራብዓትን ማጓሉን ጥቦታትን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስተኦምን ተጊህኻ ዓድግ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦም።
18
“በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከዓ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ መሲሉ እተርኣየኩም፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ።
19
እቲ ንምግልጋል ቤት እግዚኣብሄር ዝተውሃበካ ኣቑሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ሃብ።
20
ንቤት ኣምላኽካ ዘድሊ ኽትህብ ዝግብአካ ኻልእ ነገር ከዓ፥ ካብ ቤት መዝገብ ንጉስ ኣውፂእኻ ሃብ።
21
“ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ድማ ነቶም ሰገር ንየው ሩባ ዘለዉ ዅሎም ተሓዝቲ መዛግብቲ ኣዚዘ ኣለኹ፤ እቲ ፀሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ካህን እዝራ ኻባኻትኩም ዝደልዮ ዅሉ ኽሳዕ ሚእቲ መክሊት ብሩርን፥ ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን፥ ክሳዕ ሚእቲ ባዶስ ወይንን፥ ክሳዕ ሚእቲ ባዶስ ዘይትን፥ ጨው ከዓ ብዘይ ስፍሪ ሃብዎ።
23
እቲ ዅሉ ኣምላኽ ሰማይ ዝኣዘዞ፥ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሃብ። ስለ ምንታይከ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቊጥዓ ዝመፅእ?
24
ንዅላቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ነዝ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፥ ዝኾነ ግብርን ፈሰስን ቀረፅን ክወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣለና።
25
ንስኻ እዝራ ድማ፥ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ሰገር ንየው ሩባ ዘሎ ዅሉ ህዝቢ ዝዳንዩ፥ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዝፈልጡ ዅላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ሹመሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ እንተ ሃልዩ ኸዓ መሃርዎ።
26
ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይፍፅም ከዓ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ፥ ወይ ንማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ።”
27
“ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከኽብር ኢሉ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፥ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኵላቶም ሓያላት ኣሕሉቕ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸዓ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኹ፤ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ክድይቡ ኣሕሉቕ ኣከብኩ።”
← Chapter 6
Chapter 8 →