bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezra 6
Ezra 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ እቶም ኣብ ባቢሎን ቤተ መዛግብቲ ዘለዉ መፃሕፍቲ ንኽምርመሩ ኣዘዘ።
2
ኣብ ኣሕምታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣዳራሽ፥ እዝ ነገር እዙይ ንመዘከርታ ዝተፅሓፎ ሓደ ዝተጠቕለለ ፅሑፍ ተረኽበ፦
3
ብቐዳመይቲ ዘመን መንግስቲ ንጉስ ቂሮስ፥ ስለ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም እትስራሕ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጉስ ቂሮስ ዝሃቦ ትእዛዝ እዙይ እዩ፦ “እቲ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ዝስውኡሉ ቦታ እንደገና ይሰራሕ፤ መሰረቱውን ፅኑዕ ይኹን። ቁመቱ ስሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ስሳ እመት፥
4
ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕንፀይቲ ይኹን። መስርሒኡ ኸዓ ኻብ ቤተ መንግስቲ ግምጃ ቤት ይከፈል።
5
እቲ ናቡከደነፆር ካብ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምፅኦ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን ከዓ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዘሎ ቦታኡ ናብ ቤተ መቕደስ ይመለስ፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይቀመጥ።”
6
“እምበኣር፥ ኣታ ተንትናይ መስፍን ሰገር ንየው ሩባ፥ ንስኻ ሽታር ቦዝናይ፥ ንስኻትኩም ከዓ ብፆቶም ሰብ ኣፋርሳክ፥ ሰገር ንየው ሩባ ዘለኹም፥ ካብኡ ረሓቑ።
7
እቲ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰራሕ ሕደግዎም፤ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይቲ ኣይሁድን ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ይስርሕዎ።
8
“ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትገብሩሎም ዝግባእ፥ ነዝ ቤት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሰርሑ፥ እቲ ስራሕውን ምእንቲ ኸይበኵርስ፥ እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ካብቲ ኻብ ሰገር ንየው ሩባ ዝወፀ ግብሪ፥ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ብቕልጡፍ ክወሃብ ኣዚዘ ኣለኹ።
9
ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኸቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከዓ ኽፅልዩስ፥ ኵሉ ዘድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፥ ኵሉ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዝበሉኹም፥ በብመዓልቱ ኸየብኰርኩም ሃብዎም።
11
“ነዝ ትእዛዝ እዙይ ዝለወጠ ሰብ ድማ ናይ ገዛኡ ዓምዲ ተነቒሉ ንሱ ይሰቐለሉ።
12
ነዝ ትእዝዝ እዙይ ንምፍራስ ወይ ከዓ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ንምጥፋእ ኢዱ ዘልዕል ዝኾነ ንጉስ ወይ ህዝቢ፥ ስሙ ኣብኡ ኽነብር ዝገበረ ኣምላኽ የጥፍኣዮ፤ ኣነ ዳርዮስ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዚዘ ኣለኹ፤ በጥንቃቐ ድማ ይፈፀም።”
13
ሽዑ ተንትናይ፥ እቲ መስፍንን ሰገር ንየው ሩባን፥ ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን፥ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝኣዘዘ፥ ነቲ ስራሕ ብጥንቃቐ ፈፀምዎ።
14
እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከዓ፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነቢይ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ሰሪሖም ፈፀምዎ።
15
እዝ ቤት እዙይ ድማ ብሻድሻይ ዓመት መንግስቲ ዳርዮስ፥ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈፀመ።
16
ደቂ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፥ ነቲ ምቕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ተሓጒሶም ኣብዓልዎ።
17
ንምቕዳስ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእቲ ዝራብዓት፥ ክልተ ሚእቲ ማጓሉ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ጡበታት፥ ከም ቊፅሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ኣቕረቡ።
18
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ።
19
እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኸዓ፥ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲካ ኣኽበሩ።
20
ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ነፂሆም ነበሩ እሞ ዅላቶም ነፅሁ። እቶም ሌዋውያንውን ነቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ዅላቶምን ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ።
21
እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ክደልዩ ኻብ ርኸሰት ህዝቢ እታ ሃገር ተፈልዮም ናብኣቶም መፂኦም ዝነበሩ ዅላቶም በልዑ።
22
እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ።
← Chapter 5
Chapter 7 →