bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezra 5
Ezra 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ነቢያት ከዓ፥ ነቢይ ሓጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን፥ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ንኣኣቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም።
2
ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ተሲኦም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ዝሕግዝዎም ነቢያት እግዚኣብሄርውን ምስኣቶም ነበሩ።
3
በቲ ጊዜ እቱይ ኣብ ሰገር ማዕዶ ሩባ መስፍን ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን ናብኣቶም መፂኦም፦ “ነዝ ቤት እዙይ ክትሰርሕዎ፥ ነዝ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ መን ኣዘዘኩም?” በልዎም።
4
መሊሶም ድማ “ስም እቶም ነዝ ህንፃ እዙይ ዝሃነፁ መን ይበሃሉ?” ኢሎም ጠየቕዎም።
5
ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ናብ ዳርዮስ በፂሑ መልሱ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ስራሕ ኣይከልከልዎምን።
6
ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ገዛኢ ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ዝነብሩ ብፆቶም ኣፋርሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዎ ናይ ፅሑፍ፥ ቅዳሕ እዙይ እዩ።
7
እቲ ዝለኣኽዎ ፅሑፍውን ከምዙይ ዝብል ነበረ፦ “ንንጉስ ዳርዮስ፥ ሰላም ይኹን።
8
ንሕና ናብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፥ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸዓ ብዓበይቲ ኣእማን ትንደቕ ኣላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕፃው ይግበሮ ኣሎ። እዝ ስራሕ እዙይ ብጥንቃቐ ይስራሕ ኣሎ፤ ኣብ ኣእዳዎም ከዓ ይሰልጠሎም ኣሎ።
9
“ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፤ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፥ ነዚ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ፥ መን ኣዘዘኩም፥ ኢልና ጠየቕናዮም።
10
ስም እቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ዝተሸሙ ሰባት ምእንቲ ኽንፅሕፍሞ ክነፍልጠካ ኢልና፥ ስሞም ጠየቕናዮም።
11
“ዝሃቡና መልሲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ‘ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። እዝ ሕዚ እንሰርሖ ዘለና ቤት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑዎ ዝነበረ ቤት ንሰርሕ ኣለና።
12
ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣቘጥዕዎ ግና፥ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሱ ኸዓ ነዝ ቤት እዙይ ኣፍረሰ፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ኣፍለሶ።
13
“ ‘ይኹን እምበር ቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እዝ ቤት እግዚኣብሄር እዙይ ንኽስራሕ ኣዘዘ።
14
ናቡከደነፆር ካብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ ኣውፂኡ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዘቐመጦም ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን፥ ንጉስ ቂሮስ ካብ ባቢሎን ቤተ መቕደስ ኣውፅኦ፤ መስፍን ገይርዎ ንዝነበረ ሰሳብሳር ንዝበሃል ድማ ሃቦ።
15
ነዝ ኣቑሑ እዙይ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፤ እቲ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቕድም ዝነበሮ ቦታ ይሰራሕ በሎ።
16
ሽዑ ሰሳብሳር መፂኡ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር መስረቶ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ይስራሕ ኣሎ፤ ገና ድማ ኣይተፈፀመን።’
17
“እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ እንተ ደኣ ኣቢልዎስ፥ እዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክስራሕ፥ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተኣዚዙ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዛግብቲ ንጉስ ይደለ፤ ብዛዕባ እዙይ ከዓ ንጉስ ፍቓዱ ይልኣኸልና።”
← Chapter 4
Chapter 6 →