bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezra 4
Ezra 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ፀላእቲ ይሁዳን ብንያምን ከዓ፥ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፥
2
ናብ ዘሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም “ካብታ ኣስራዶን ንጉስ ኣሶር ናብዙይ ዘምፅአና መዓልቲ ጀሚርና ንኣምላኽኩም ንስውእ ኣለና፥ ከማኻትኩምውን ንደልዮ ኢናሞ፥ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ” በልዎም።
3
ዘሩባቤልን ኢያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ግና፥ “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ቤት ንሰርሐሉ እምበር፥ ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብአኩምን እዩ” በልዎም።
4
ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር፥ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፤ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርሕዎም።
5
ነቲ ምኽሮም ከፍርሱ ድማ መኻሮ ብገንዘብ ዓደጉሎም። እዙይ ከዓ ብዅሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።
6
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ድማ፥ ብመጀመርታ ዘመን መንግስቱ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናይ ክሲ ነገር ፀሓፉ።
7
ብዘመን ኣርጤክስስ ከዓ ቢሽላም፥ ሚትሪዳጡ፥ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብፆቱን ናብ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ፀሓፉ። ፅሕፈት እቲ ደብዳበ ኸዓ ብኣራማይስጥ ተፅሒፉ ነበረ እሞ፥ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጐመት።
8
ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ከምዙይ ኢሎም ኣንፃር ኢየሩሳሌም ደብዳበ ፀሓፉ፦
9
“ሽዑ ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን እቶም ዝተረፉ ተሓባበርቶም ዲናውያንን ኣፈርሳትካውያንን ጠርፈላውያንን ኣፈርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሱስናካውያንን ዴሓውያንን ኤላማውያንን፥
10
እቶም እቲ ዓቢይን ክቡርን ኣስናፈር ኣግዒዙ ኣብ ሰማርያን ኣብ ማዕዶ ሩባ ዘቐመጦም ካልኦት ኣህዛብን ደብዳበ ፀሓፉ።”
11
ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዙይ እዩ፦ “እቶም ኣብቲ ማዕዶ ሩባ ዘለዉ ባሮትካ፦
12
እቶም ካባኻ ናባና ዝመፁ ኣይሁድ፥ ናባና ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ እሞ ነታ ዓማፂትን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለዉ፥ መካበብያኣ ኸዓ ኸም ዝፈፀሙ መሰረታ ድማ ኸም ዘፅንዑ፥ ንጉስ ይፍለጥ።
13
ሕዚ ኸዓ እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣውን እንተ ተሓዲሱ፥ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ከም ዘይኸፍሉን ኣታዊ ንጉስውን ከም ዝጐድልን፥ ንጉስ ይፍለጥ።
14
“እምበኣርከስ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ እናበላዕና፥ ንንጉስ እንተቃልልዎ ስቕ ኢልና ምርኣይ ኣይግበአናን እዩሞ፥ ልኢኽና ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።
15
ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ኣቦታትካ ምርመራ ይገበር። እዛ ኸተማ እዚኣ ዓማፂት ከተማ ኸም ዝኾነት፥ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጐድአት፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪኽ ክትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት።
16
እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደኣ ተሰሪሓ፥ መካበብያኣ ኸዓ እንተ ተሓዲሱ፥ ሰገር ንየው ሩባ፥ ክፍሊ ኸም ዘይብልካ፥ ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።”
17
ንጉስውን ንሬሑም ሹምን ንሲምሳይ ፀሓፍን ነቶም ኣብ ሰማርያን ኣብ ካሊእን ኣብ ሰገር ንየው ሩባ ዝተረፉ ብፆቶምን ከምዙይ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፦
18
“ሰላም፤ እታ ናባይ ዝሰደድኩምዋ ደብዳበ ተተርጒማ፥ ብግልፂ ኣብ ቕድመይ ተነቢባ።
19
ኣነ ድማ ኽምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፥ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ነገስታት ከም ዝተስአት፥ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም ዝተገብረ ተረኽበ።
20
ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ንሰገር ሩባ ዝነበረ ዅሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፤ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ይቕበሉ ነበሩ።
21
እምበኣርከስ ካባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዝወሃብ፥ እቶም ሰባት ስራሕ ከቑሙ፥ እታ ኸተማ ኸዓ ኸይትስራሕ ኣዝዙ።
22
በዝ ነገር እዙይ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። እቲ ንነገስታት ዝጐድእ ክፉእ ነገር ስለ ምንታይ እናበዝሐ ዝኸይድ?”
23
እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ቅድሚ ሬሑምን ሲምሳይ ፀሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብፆቶምን ምስ ተነበበት፥ ቀልጢፎም ናብ ኢየሩሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፥ ብቕልፅምን ብሓይልን ካብ ምስራሕ ኣብኰርዎም።
24
ሽዑ ስራሕ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በዀረ፤ ክሳዕ እታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስውን ተቛረፀ።
← Chapter 3
Chapter 5 →