bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 9
Ezekiel 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ኣእዛነይ ከዓ፥ እቶም ነታ ኸተማ ዝቐፅዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዘጥፍአሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፥ እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ።
2
እንሆ ድማ፥ ሽዱሽተ ሰባት፥ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ዝቐትለሉ ኣፅዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ መንገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብ ዘርኢ ላዕለዋይ ደገ መፁ፤ ሓደ ሰብኣይ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዘለዎ፥ ኣብ ማእኸሎም ነበረ። ኣትዮም ድማ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሃስ ቆሙ።
3
ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፥ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸደነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ፀውዖ።
4
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ።
5
ኣነ እናሰማዕኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ነቶም ካልኦት በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ፤ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትሕዘን፤ ኣይትራህርሁውን።
6
ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረጋውያንን ነጕባዝን ንጐራዙን ንቘልዑን ንኣንስትን ቅተሉ፤ ኣፅንቱ፤ ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም” በሎም። ንሳቶም ከዓ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረጋውያን ጀመሩ።
7
ንሱ ድማ፥ “ነታ ቤት ኣርክስዋ! ነቲ ኣደባባያት ከዓ ብምዉታት ምልእዎ! ውፁ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ወፁ፤ ኣብታ ኸተማውን ይቐትሉ ነበሩ።
8
ኮነ ድማ፥ ክቐትሉ እንተለዉ፥ ኣነ ተረፍኩ፤ ብገፀይ ወደቕኩ እሞ፥ “ወዮ! ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ቍጥዓኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ክዒውካዶ፥ ንዅሎም ተረፍ እስራኤል ክተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።
9
ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ።
10
ስለዙይ ዓይነይ ኣይሓዝንን፤ ኣነ ኣይርህርህን፤ መንገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።”
11
እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ እተኸድነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ፥ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ” ኢሉ ፀብፃቡ ሃበ።
← Chapter 8
Chapter 10 →