bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 8
Ezekiel 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኮነ ድማ፥ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፥ ኣብታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ እንተለኹ፥ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም እንተለዉ፥ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት።
2
ሽዑ ረአኹ፥ እንሆ ትርኢት ሓዊ ዝመስል ምስሊ ነበረ፤ ካብቲ ምስሊ ኻብ ሕቘኡ ንታሕቲ ሓዊ፥ ካብ ሕቘኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዘንፀባርቕ ወርቅን ዝመስል ነበረ።
3
ንሱ ኸዓ ኢድ እትመስል ዘርግሐ፤ ብፀጕሪ ርእሰይ ድማ ሓዘኒ፤ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓለኒ፤ ብራእይ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰደኒ፤ ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዘርኢ ኣፍደገ ኣምፅአኒ፤ ኣብኡውን እቲ ንቕንኣት ዘለዓዕል ምስሊ፥ ናይ ቅንኣት ጣዖት ተተኺሉ ነበረ።
4
እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ ኣብ ለሰ ዝረአኽዎ ትርኢት፥ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።
5
ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ኣነ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ። እንሆ ድማ፥ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፥ እዙይ ናይ ቅንኣት ጣዖት ነበረ።
6
ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ትርኢ ኣለኻ? ኣነ ኻብ ቤተ መቕደሰይ ምእንቲ፥ ክርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ርኽሰትዶ ትርኢ ኣለኻ? አረ ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።
7
ንሱ ኸዓ ናብ ደገ እቲ ዓፀድ ወሰደኒ፤ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ረአኹ።
8
ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ” በለኒ፤ ነቲ መንደቕ ምስ ኰዓትክዎ ድማ፥ እንሆ፥ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
9
ንሱውን “እቶ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝገብርዎ ዘለዉ ኽፉእ ርኽሰት ረአ!” በለኒ።
10
ኣተኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ብዙሕ ምስሊ እቶም ለመም ዝብሉን፥ ርኹሳት እንስሳን፥ ኵሎም ጣዖታት ቤት እስራኤልን፥ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ተስኢሉ ረአኹ።
11
ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።
12
ሽዑ ንሱ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣይሪአናን፤ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ ሓዲጉዋ እዩ፤ ኢሎም፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ፀልማት ኣብ ሸሽርጓና ውሻጠ ኾይኖም ዝገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣለኻ” በለኒ።
13
ንሱ ኸዓ፥ “አረ ኻብዙይ ዝገድድ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።
14
ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ።
15
ሽዑ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዮዶ? ገና ኻብዙይ ዝገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።
16
ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን፥ ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ገፆም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንፀሓይ ይሰግዱ ነበሩ።
17
ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዶ? ነታ ምድሪ ብዓመፅ መሊኦምዋ፤ መመሊሶም ድማ ቝጥዓይ ዘለዓዕሉስ፥ ቤት ይሁዳ እዝ ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትዶ ውሒድዎም እዩ፤ እንሆ፥ ንሳቶም ነቲ ጨንፈር ናብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ” በለኒ።
18
ስለዙይ “ኣነ ድማ ብናህሪ ኽገብር እየ፤ ዓይነይ ኣይትርህርሀሎምን እያ፤ ኣይምሕሮምን እየ፤ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ኣእወዩ እኳ ኣይሰምዖምን እየ” በለኒ።
← Chapter 7
Chapter 9 →