bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 10
Ezekiel 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ጠመትኩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለውዎ ጠፈር፥ ከም እምኒ ሰንፔር ኮይኑ፥ ትርኢት ዙፋን ዝመስል ኣብ ልዕሊኣቶም ተርኣየ።
2
ንሱ ኸዓ ነቲ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ “ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፤ ካብቲ ኣብ ማእኸል ኪሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፍሓም ድማ፥ በእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ በትኖ” ኢሉ ተዛረቦ፤ ንሱውን እናረአኽዎ ኣተወ።
3
እቲ ሰብኣይ ክኣቱ እንተሎ፥ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት፥ ደው ኢሎም ነበሩ፤ እቲ ደመና ኸዓ ነቲ ውሽጣዊ ዓፀድ መልኦ።
4
ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ እታ ቤት ድማ ብደመና መልአት፤ እቲ ዓፀድውን ብፀዳል ክብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ።
5
ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ እንተሎ ኾይኑ፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዓፀድ ተሰምዐ።
6
ኮነ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸደነ ሰብኣይ፥ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፥ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፥ ንሱ ኣተወ፤ ኣብ ጥቓ መንኰራዅር ድማ ቖመ።
7
እቲ ኪሩብ ድማ፥ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ፥ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፤ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ድማ ኣንበሮ፤ ንሱውን ሒዙ ወፀ።
8
ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ኢድ ሰብ ዝመስል ተርኣየ።
9
ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር፥ ሓሓንቲ መንኰራዅር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ፤ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ፥ ከም ሕብሪ እምኒ ቢረሌ ነበረ።
10
ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከዓ ይመሳሰል ነበረ፤ እቲ ሓደ መንኰራዅር፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ።
11
ክኸዱ እንተለዉ ድማ በርባዕተ ጐድኖም ይኸዱ ነበሩ፤ እንትኸዱ ኸዓ ናብ የማነ ፀጋም ግልፅ ኣይብሉን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘምርሖ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፥ ክኸዱ እንተለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ።
12
ኵሉ ሰብነቶምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን፥ እቲ መንኰራዅርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዅሮምን ብዅሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።
13
ነቲ መንኰራዅር ከዓ፥ ኣነ እናሰማዕኹ፥ ጌልጌል ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ።
14
ንሱ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮ፤ እቲ ቐዳማይ ገፅ ኪሩብ፥ እቲ ኻልኣይ ገፅ ሰብ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ናይ ኣንበሳ ገፅ፥ እቲ ራብዓይ ድማ ናይ ንስሪ ገፅ እዩ።
15
እቶም ኪሩቤል ከዓ ልዕል ልዕል በሉ፤ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም።
16
እቶም ኪሩቤል ክኸዱ እንተለዉ፥ እቲ መንኰራዅር ድማ ጐኒ ጐኖም ይኸይድ ነበረ፤ እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ እንትለዓሉ ኣኽናፎምውን እንትዝርግሑ፥ እቲ መንኰራዅርውን ካብ ጥቓኣቶም ኣየግልስን ነበረ።
17
መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኣቶም ስለ ዝነበረ፥ እቲኣቶም ደው ክብሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ደው ይብል ነበረ፤ እቲኣቶም ክለዓሉ እንተለዉ፥ እዙይውን ይለዓል ነበረ።
18
ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወፀ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከዓ ቖመ።
19
እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ፤ ክነቕሉ እንተለዉ ኸዓ፥ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኣቶም ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተልዓሉ፤ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቖሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።
20
እዚኣቶም ከዓ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለለኽዎም።
21
ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገፅን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከዓ ኣእዳው ሰብ ዝመስል ነበሮም።
22
መልክዕ ገፆም ከምቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ኮቦር ዝረአኹዎ ገፅ ነበረ፥ ትርኢቶምውን ከምኡ ነበረ፤ ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ቀጥ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
← Chapter 9
Chapter 11 →