bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 39
Ezekiel 39
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጎግ ተነበየሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፥ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን እኒሀኹ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኻ እየ።
2
ክመልሰካ እየ፤ ክኹብኩበካ እየ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ክጐተካ፥ ናብ እምባታት እስራኤል ከዓ ኸእትወካ እየ።
3
ንቐስትኻ ኻብታ ፀጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፥ ንፍላፃታትካ ኸዓ ኻብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ።
4
ንስኻ፥ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን፥ ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክትወድቕ ኢኻሞ፤ ክበልዑኻውን በብዓይነቶም ንዝኾኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ምድርን ክውፍየካ እየ።
5
ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ኣብ በረኻ ክትወድቕ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
6
ኣብ ማጎግን፥ ናብቶም ኣብ ደሴታት ሃዲኦም ዝነብሩ ዘለዉን፥ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።
7
እቲ ቅዱስ ስመይ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ክረክስ ኣይፈቅድን እየ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ናይ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
8
“እንሆ ኽመፅእ፥ ክኸውን ድማ እዩ፤ እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9
“እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ ድማ ኽወፁ እዮም እሞ፥ ንኣፅዋራት ኲናት ከቃፅሉ እዮም፤ ንዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላፃታትን ኣጕማድን ኲናታትንውን ብሓዊ ኸንድድዎ እዮም፤ ሸውዓተ ዓመትውን ብሓዊ ኸንድድዎም እዮም።
10
በቲ ኣፅዋር ገይሮም ሓዊ ኽእጕዱ እዮም እሞ፥ ካብ በረኻ ዕንፀይቲ ኣየእትዉን፤ ካብ ዱር ከዓ ኣይቘርፁን እዮም፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ክገፍዎም፥ ነቶም ዝዘመትዎም ከዓ ኽዘምትዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11
“በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፥ ለሰ ሓለፍቲ መንገዲ ዝበሃል ቦታ መቓብር ክህቦ እየ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኸዓ፥ መንገዶም ክዓፅወሎም እዩ፤ ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ክቐብርዎም እዮም፤ ለሰ ሓሞንጎግ ድማ ኽበሃል እዩ።
12
ቤት እስራኤል ከዓ ነታ ምድሪ ምእንቲ ኸፅርዩስ፥ ብሸውዓተ ወርሒ ኽቐብርዎም እዮም።
13
ኵሉ ህዝቢ እታ ምድሪ ኽቐብሮም እዩ፤ እዙይውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ፥ ንስም ክኾኖም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
14
ምእንቲ ኸፅርዩስ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዝፀንሑ ኽቐብሩ፥ ምስቶም ቀባሮ ኾይኖም፥ ነታ ምድሪ እንተየቋረፁ ዝዞርዋ ሰብኡት ቈፂሮም ከዋፍሩ እዮም። ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ እውን ሃለው ክብሉ እዮም።
15
እቶም እናዞሩ በታ ምድሪ ዝሓልፉ፥ ሓደ ኻብኣቶም ዓፅሚ ሰብ እንተ ረአየ፥ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሓሞን ጎግ ክሳዕ ዝቐብርዎ፥ መሐበርታ ምልክት ክገብረሉ እዩ።
16
ስም እታ ኸተማ ኸዓ ሓሞና ኽበሃል እዩ፤ በዝ ኸምዙይ ነታ ምድሪ ኸፅርይዋ እዮም።”
17
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፥ ንዅሎም ኣራዊት በረኻን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ተኣኻኺብኩም ንዑ፤ ስጋ ኽትበልዑ ደም ከዓ ኽትሰትዩስ፥ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፥ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣኻኸቡ።’
18
ስጋ ናይቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፥ ደም ናይቶም ኣሕሉቕ ምድርን ናይ መኻኽትን ማጓሉን ዲበላታትን ኣብዑርን ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም።
19
ካብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ፥ ክሳዕ እትፀግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፥ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም።
20
ኣብ ሰደቃይ ብኣፍራስን ብፈረሰኛታትን ብሓያላትን ብተዋጋእትን ክትፀግቡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21
“ኣነ ኸዓ ኽብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክገልፅ እየ፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ነቲ ዝፈፀምክዎ ፍርደይን፥ ነታ ኣብ ልዕሊኣቶም ዘንበርክዋ ኢደይን ክሪኡ እዮም።
22
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው፥ ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
23
እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ቤት እስራኤል ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከም እተማረኹ ኽፈልጡ እዮም፤ ንኣይ ስለ ዝበደሉ፥ ገፀይ ከወልኩሎም፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶምውን ወፈኽዎም፤ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ።
24
ከም ርኽሰቶምን ከም መጠን በደሎምን ገበርክዎም፥ ገፀይ ከዓ ኸወልኩሎም።”
25
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ።
26
ካብ ማእኸል ኣህዛብ ምስ መለስክዎም፥ ካብ ምድሪ ፀላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብኣቶም ምስ ተቐደስኩ፥ ሓደ እኳ ዘፍርሖም ዘይብሎም ኣብ ምድሮም ሃዲኦም ምስ ተቐመጡ፥ ሕፍረቶምን ንኣይ ዝበደሉኒ ዅሉ በደሎምን ክፆሩ እዮም።
28
ኣነ ናብ ማእኸል ኣህዛብ ኣማሪኸዮም ነይረ እየሞ፥ ናብ ምድሮምውን ኣኪበዮም እየሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብኣቶም ሓደ እኳ ኣብኡ ኣየትርፍን እየ።
29
ድሕሪ ደጊም ገፀይ ኣይክኽውለሎምን እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ኣፍሲሰ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 38
Chapter 40 →