bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 38
Ezekiel 38
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ጎግ ኣብ ምድሪ ማጎግ፥ እቲ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን መልስ እሞ ኣንፃሩ ተነበየሉ፤
3
በልውን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን ኣብ ክሳድካ ኣለኹ።
4
ክመልሰካ ኣብ ምንጋጋኻ ልጓም ክገብር እየ፤ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ ብዙሓት ጭፍራን፥ ዋልታን ቍራዕን ዘለዎም፥ ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ምስኣቶም ከዓ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፥ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ዓብዪ ጭፍራ ገይረ ኸውፅአካ እየ።
6
ንጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ቤት ቴርጋማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ንብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ ኸውፅኦም እየ።
7
ተዳሎ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፤ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን።
8
ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትድለ ኢኻ፤ ኣብተን ዳሕረዎት ዓመታት፥ ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፥ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ እምባታት እስራኤል ክትአቱ ኢኻ፤ ካብ ህዝብታት ወፂኣስ ኵላቶም ሃዲኦም ክነብሩላ እዮም።
9
ንስኻ ኽትድይብ፥ ከም ህቦብላ ንፋስ ከዓ ኽትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን፥ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ከምቲ ንምድሪ ዝጕልብብ ደመና ኽትከውን ኢኻ።”
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ነገር ኣብ ልብኻ ኽትስእ እዩ፤ ክፉእ ሓሳብውን ክትሓስብ ኢኻሞ፥
11
ናብታ ዘይተዓረደት ሃገር ክድይብ፥ ናብቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ ኵላቶም፥ ብዘይ ቅፅሪ ዘለዉ፥ መሀርሀርን መዓፁን ዘይብሎም ህዝቢ፥ ሓደጋ ኸውድቐሎም እየ፥ ክትብል ኢኻ።
12
ክትማርኽን ክትብዝብዝን፥ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕዚ ሰብ ዝነብረሉ ዘሎ፥ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፥ ካብ ኣህዛብ ዝተኣከበ፥ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፥ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።
13
ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሴስን እቶም ኰራዅር ኣናብሱን፥ ምርኮ ኽትማርኽዶ መፂእኻ? ዘመተ ኽትዘምት፥ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፥ ከፍትን ሃብትን ክትሕዝ፥ ብዙሕ ምርኮ ኽተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም? ክብሉኻ እዮም።”
14
ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፦ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ህዝበይ እስራኤል ሃዲኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣይትፈልጦን ዲኻ?
15
ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡን፥ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ፥ ካብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመፅእ ኢኻ።
16
ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”
17
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኣቶም ከም ዘምፅአካ፥ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነቢያት እስራኤል ገይረ፥ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን?”
18
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፦ “በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ክፃረረላ ዝመፀላ መዓልቲ፥ መቕሰፍቲ ብመዓተይ ክመፅእ እዩ፤ ይብል ኣሎ።
19
ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እዛረብ ኣለኹ፤ ርግፅ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል፥ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ክኸውን እዩ።
20
ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን፥ እንስሳ በረኻን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን፥ ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን፥ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ እምባታት ክግልበጡ፥ ኣኻውሕ ክፈርሱ፥ ኵሉ መናድቕ ከዓ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እዩ።
21
ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ እምባታተይ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽፅውዐሉ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ፥ ኣብ ርእሲ ሓዉ ክኸውን እዩ።
22
ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ፤ ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን፥ ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ኣህዛብን፥ ዝናም መሾምበባን በረድን ሓዊን ዲንን ከዝንም እየ።
23
በዝ ኸምዙይ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክገሃድ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ከዓ ባዕለይ ክፍለጥ እየ፤ ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
← Chapter 37
Chapter 39 →