bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 40
Ezekiel 40
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፥ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ እታ ኸተማ ኻብ እትውቃዕ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታ፥ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፀት፤ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ።
2
ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ።
3
ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ።
4
እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ምእንቲ ኸርእየካ ናብዙይ ተመሪሕኻ ኢኻ እሞ፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ በዒንትኻ ጠምቶ፤ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፤ ብልብኻ ኸዓ ኣቕልበሉ፤ እቲ ዅሉ ዝረአኻዮውን ንቤት እስራኤል ንገሮም” በለኒ።
5
እንሆ ኸዓ፥ ነታ ቤት ብወፃኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ፤ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ምንዋሓ ሽዱሽተ እመት እያ፤ እተን እመታ ድማ አእመትን ስድርን እየን፤ ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊ ኾነ፤ ቁመቱውን ሓደ ዘንጊ ኾነ።
6
ድሕሪዙይ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መፀ፥ ብደረጃታታ ኸዓ ደየበ፤ ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፥ ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ነበረ፤ እታ ኻልአይቲውን ወርዳ ሓንቲ ዘንጊ ኾነት።
7
ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንብረት ከዓ፥ ምንዋሓ ሓንቲ ዘንጊ፥ ወርዳ ድማ ሓንቲ ዘንጊ እያ፤ ምርሕሓቕ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ ሓሓሙሽተ እመት እዩ፤ እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ፥ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ዘንጊ ነበረ።
8
ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊውን ኮነ።
9
ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፥ ሸሞንተ እመት ከዓ ኾነ፤ ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ኽልተ እመት ኮና፤ ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ ነበረ።
10
እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዘብል ደገ ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ድማ በቱይ ነበራ፤ ሰለስቲአን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ፤ እተን ኣዕምዲ ከዓ በዙይን በቱይን ልክዕ ሓደ ስፍሪ ነበራ።
11
ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ድማ ዓሰርተ ሰለስተ እመት ኮነ።
12
ኣብ ቅድሚ እተን ክፍሊ ንብረታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዙይ፥ ሓንቲ እመትውን በቱይ እዩ፤ እተን ክፍሊ ንብረታት ከዓ፥ በዝ ወገን እዙይን በቲ ወገን እቱይን ሸሽዱሽተ እመት ነበረ።
13
ነታ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ ክፍሊ ንብረት፥ ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልአይቲ ኣመተ፤ ወርዱ ኸዓ ኻብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኮነ።
14
ነተን ኣዕምዲ ተዛነብ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ኣፀድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ።
15
ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ፥ ክሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ።
16
ኣብተን ክፍሊ ንብረታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕምድን፥ ብዅሉ ዙርያአን ዓይኒ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን፤ ከምኡውን ኣብተን ገበላታት፥ ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያአን መሳዅቲ ነበረን፤ ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕምዲ ከዓ ስየታት ነበረ።
17
ናብቲ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብኡ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ዙርያ እቲ ዓፀድውን ብእምኒ ተነፂፉ ነበረ፤ ኣብቲ እምኒ እተነፀፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ።
18
እቲ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ፥ ኣብ ጥቓ ደገታት ነበረ፤ ልክዑ ኸዓ ኸም ምንዋሕ እቲ ደገታት እዩ፤ እዙይ እቲ ታሕተዋይ ብእምኒ እተነፀፈ ምድሪ ነበረ።
19
ካብ ቅድሚ እታ ታሕተወይቲ ደገ ሒዙ፥ ክሳዕ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወፃኢ ነቲ ወርዳ ኣመቶ፤ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከዓ መሚእቲ እመት ኣመቶ።
20
ነቲ ንሰሜን ገፁ ዘሎ ናይ ወፃኢ ዓፀድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመተ።
21
ክፍሊ ንብረታት ሰለስተ በዙይ፥ ሰለስተ ኸዓ በቱይ ነበራ፤ ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታቱን፥ ከምቲ ስፍራ እታ ቐዳመይቲ ደገ ምንዋሑ ሓምሳ እመት፥ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።
22
መሳዅታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ ነበረ፤ መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
23
ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ድማ፥ ብኣንፃር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዝሪኣ ደገታት ነበረ፤ ካብታ ሓንቲ ደገ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ።
24
ድሕሪዙይ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሐኒ፤ እንሆ ኸዓ ናብ ደቡብ እትርኢ ደገ ነበረት፤ ነዕምዳን ገበላታታን ከዓ ኽንዲ እተን መዐቀኒ ኣመተን።
25
ከምተን መሳዅቲ ኸዓ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።
26
መደያይቦኣ ኸዓ ሸውዓተ ደረጃ ነበረ፤ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ኸዓ፥ ስየታት ሓደ በዙይ ሓደ በቱይ ነበረ።
27
እታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገ፥ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ኣመተ፤ ሚእቲ እመት ከዓ ኾነ።
28
በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ፥ ናብታ ውሽጣዊት ዓፀድ ኣእተወኒ፤ ነታ ደገ ደቡብ ከዓ ኽንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ።
29
ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዳን ገበላታታን ከዓ፥ ክንዲ እቲ መስፈሪ ነበረ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዅቲ ኣለዋ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ። ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ከዓ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ነበረ።
31
ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ እዩ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ተዛነብ ከዓ ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኡ ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።
32
ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ዓፀድ ወሰደኒ እሞ፥ ነታ ደገ ኽንዲ እቲ መዐቀኒ ኣመታ።
33
ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ክንዲ እቲ መዐቀኒ ነበረ፤ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት ወርዳ ኸዓ፥ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።
34
ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ድማ ስየታት በዙይን በቱይን ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።
35
ናብ ሰሜናዊት ደገ ድማ ወሰደኒ፤ ክንዲ እቲ መዐቀኒ ኸዓ ኣመቶ።
36
ክፍሊ ኣቑሑታን ኣዕምዲ ተዛነብን ገበላታታን ከዓ፥ ከምኡ መሳዅቲውን ብዙርያኣ ነበረ፤ ምንዋሓ ሓምሳ እመት፥ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ነበረ።
37
ኣዕምዲ ተዛነብ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ዓፀድ ኣቢሉ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ኣዕምዳ ኸዓ፥ በዙይን በቱይን ስየታት ነበረ፤ መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ ነበሮ።
38
ኣብ ጥቓ እተን ኣዕምዲ ተዛነብ ደገታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ፤ ኣብኣውን ዝቃፀል መስዋእቲ ይሓፅቡ ነበሩ።
39
ኣብ ደገ እታ ገበላ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን፥ ዝሓርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዙይ፥ ክልተ ሰደቓ ድማ በቱይ ነበሩ።
40
ኣብ ጥቓ እቲ ብወፃኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዘደይብ መሳልል ከዓ፥ ክልተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ኽልተ ሰደቓታት ነበሩ።
41
እምበኣርከስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓታት በዙይ፥ ኣርባዕተ ሰደቓታት ከዓ በቱይ ነበሩ፤ እዝ መስዋእቲ ዝሓርዱሉ ሸሞንተ ሰደቓታት ነበሩ።
42
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ካብ ውቑር እምኒ ዝተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓታት ነበሩ፤ ምንዋሑ እመትን ስድርን፥ ወርዱ እመትን ስድርን፥ ምብራኹ ሓደ እመት ነበረ፤ ኣብኡውን ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኻልእ መስዋእትን ዝሓርዱሉ መሳርሒ ዘንበሮ ነበረ።
43
ሰስድሪ ዝምንዋሑ ዅላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ነበረ፤ እዝ ሰደቓታት እዙይ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዝንበሮ ነበረ።
44
ኣብ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸዓ፥ ንመዘምራን ዝተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፤ ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ እትርኢ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ነበረት፤ ገፃ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ እትርኢ።
45
ንሱውን በለኒ፤ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ትርኢ ዘላ ኽፍሊ ቤት፥ ነቶም ነታ ቤት ከገልግሉ እተመረፁ ኻህናት እያ።
46
እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።
47
ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ዓፀድ ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ወርዱውን ሚእቲ እመት ነበረ፤ እቲ መሰውኢ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዝነበረ።
48
ናብ ገበላ እታ ቤት ከዓ ወሰደኒ፤ ነቲ ኣዕምዲ ተዛነብ እታ ገበላ ድማ ኣመቶ፤ ሓሙሽተ እመት በዙይ፥ ሓሙሽተ እመትውን በቱይ ነበረ፤ ወርዲ እታ ደገ ኸዓ ሰለስተ እመት በዙይ፥ ሰለስተ እመት በቱይ ነበረ።
49
ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ እመት ነበረ፤ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕምዲ ተዛነብ ከዓ ሓደ በቱይ፥ ሓደውን በቱይ ኣዕምዲ ነበሩ።
← Chapter 39
Chapter 41 →