bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 37
Ezekiel 37
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብመንፈስ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ማእኸል እታ ለሰ ድማ ኣንበረኒ፤ ንሳውን ኣዕፅምቲ መሊእዋ ነበረ።
2
ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፤ እንሆ ኸዓ ኣብቲ ዝባን ለሰ የመና ብዙሕ ነበረ፤ እንሆ የመናውን ንቑፅ ነበረ።
3
ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶምስ ህያዋንዶ ክኾኑ እዮም? በለኒ” ኣነ ድማ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንስኻ ትፈልጥ” ኢለ መለስኩ።
4
ንሱ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ተነበ፦ ኣቱም ንቑፃት ኣዕፅምቲ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካውን ንገሮም በለኒ።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።
6
ጅማውቲ ኸንብረልኩም፥ ስጋ ኽገብረልኩም፥ ብቘርበት ክኸድነኩም፥ እስትንፋስ ከእትወልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
7
ከምቲ ዝተአዘዝክዎ ኸዓ ተነበኹ፤ ክንበ እንተለኹ ድማ ድምፂ ኾነ፤ እንሆ ኸዓ ምንቕናቕ ኮነ፤ እቶም ኣዕፅምቲውን ዓፅሚ ምስ ዓፅሙ ተቓራረበ።
8
እንሆ ኸዓ ጅማውትን ስጋን ክወፆም ቈርበት ድማ ክኸድኖም ረአኹ፤ እስትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።
9
ሽዑ ንሱ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ ንንፋስ ተነበየሉ፤ ንንፋስ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣታ ንፋስ እዞም ቅቱላት ህያዋን ክኾኑስ፥ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ነዓ እሞ፥ ኣብኣቶም ንፈስ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።
10
ኣነ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ተነበኹ፤ እስትንፋስ ድማ ኣተዎም፤ ህያዋንውን ኮኑ፤ በእጋሮም ከዓ ቖሙ፤ የመና ዓብዪ ጭፍራውን ነበሩ።
11
ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።
12
ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፤ እንሆ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት እየ፤ ኣቱም ህዝበይ ካብ መቓብራትኩም ድማ ኸውፅአኩም፥ ናብ ምድሪ እስራኤልውን ከእትወኩም እየ።
13
ኣቱም ህዝበይ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፥ ካብ መቓብራትኩም ከዓ ምስ ኣውፃእኩኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
14
መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፤ ህያዋን ከዓ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣብ ምድሪኹም ድማ ኸንብረኩም እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን፥ ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር።”
15
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
16
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሓደ በትሪ ውሰድ እሞ ‘ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ፤ ድሕሪኡውን ካልእ በትሪ ‘ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብፆቱን’ ኢልካ ፀሓፈሉ።
17
ሓደ በትሪ ክኸውንስ፥ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፤ ኣብ ኢድካ ኸዓ ሓደ ክኸውን እዩ።
18
እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፥ እዝ እትገብሮ ዘለኻ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ሓሳብካዶ ኣይትገልፀልናን ኢኻ? ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፥
19
ንስኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን፥ ነገድ እስራኤል ብፆቱን ዘሎ በትሪ ዮሴፍ ክወስድ፥ ኣብቲ በትሪ ይሁዳ ኸዓ ኽድርቦም፥ ኣብ ኢደይ ሓደ ክኾኑስ፥ ሓደ በትሪ ኽገብሮም እየ።
20
“እቲ ዝፀሓፍካሉ በትሪ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ክኸውን እዩ።
21
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፥ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ምድሮምውን ከእትዎም እየ።
22
ኣብታ ምድሪ ኣብ እምባታት እስራኤል ከዓ፥ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፤ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኽልተ ህዝቢ ኣይኾኑን፤ ድሕሪዙይውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይምቀሉን እዮም።
23
ድሕሪ ደጊም፥ ብቲ ጣዖታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ሓጢኣቶምን ኣይረኽሱን እዮም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዝገብሩሉን ዝነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንፅሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
24
ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም።
25
ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ።
26
ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፤ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ክኾነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ፤ ንመቕደሰይ ከዓ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ከቑሞ እየ።
27
ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
28
መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ምስ ኮነ፥ እቶም ኣህዛብ እቲ ንእስራኤል ዝቕድስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
← Chapter 36
Chapter 38 →