bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 36
Ezekiel 36
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንእምባታት እስራኤል ተነበየሎም፤ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ ከዓ በሎም።
2
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ፀላኢ ኣሰይ፥ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ኾነ” ኢሉ ብዛዕባኻትኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፥
3
ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ “ነቶም ዝተረፉ ኣህዛብ ርስቶም ምእንቲ ኽትኮኑስ፥ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውሒጦምኹምን መመሰሊ ልሳንን መላገፂ ህዝብን ከዓ ዄንኩም ኢኹም እሞ፤
4
ስለዙይ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ ንዝባደመ ዑናታትን፥ ነተን እተሓድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያአን ዝተረፉ ኣህዛብ፥ ንዘመተን ንባጫን ኮይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዙይ ይብል።”
5
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሓጕሶም ብነፍሶም ንዒቖም ዘመተ ኽትከውንስ፥ ነታ ምድረይ እተረስተይዋ ተረፍ ኣህዛብን፥ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ።”
6
እምበኣር “ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንሆ ንስኻትኩም ፀርፊ ኣህዛብ ስለ እተሰከምኩም፥ ኣነ ብቕንኣተይን ብቝጥዓይን ተዛረብኩ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ብዛዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ።
7
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፥ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ንሳቶም ነውሮም ክስከሙ እዮም።
8
ግናኸ ኣቱም እምባታት እስራኤል፥ ኣነ ንኣኻትኩም እየሞ፥ እኒሀኹ ናባኻትኩምውን ክምልከት እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፤ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፥ ፍረኹም ከዓ ኽፈሪ እዩ።
10
ኣባኻትኩምን ንዅላ ብዘላ ቤት እስራኤልን ከዓ ሰብ ከብዝሐላ እየ፤ ከተማታት ሰብ ክሰፍሮ፥ ዑናታት ድማ ኽስራሕ እዩ።
11
ኣነ ኸዓ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሕደሪ ኽገብረኩም እየ፤ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለፀ ኸዓ ሰናይ ክገብረልኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።
12
ንሰብ ህዝበይ እስራኤል ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ፤ ክወርሱኻ እዮም፤ ርስቶም ከዓ ኽትከውን ኢኻ፤ ድሕሪዙይውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይትገብሮምን ኢኻ።
13
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ሰብ በሊዕኺ’ ንህዝብኺ ኸዓ ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ጌርኪዮ ኢኺ ይብሉኺ ኣለዉ እሞ።
14
ስለዙይ ድሕሪዙይ ‘ሰብ ኣይትበልዕን’ ንህዝብኺውን ‘ውሉድ ዘይብሉ’ ኣይትገብርዮን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
ደጊምስ ፀርፊ ኣህዛብ ኣየስምዐክን እየ። ላግፂ ህዝብታት ኣይትፆርን፤ ድሕሪዙይውን ንህዝብኺ ኣይተዐንቅፍዮምን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
16
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
17
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል ኣብ ምድሮም እንተለዉ ብመንገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ፤ መንገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ፅግያት ሰበይቲ ነበረ።
18
ሽዑ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝኸዓውዎ ደምን፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዘርከስዋን ቍጥዓይ ኣፍሰስኩሎም።
19
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘሮኽዎም፤ ኣብ ሃገራት ከዓ ፋሕ በሉ ኣነውን ከም መንገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም።
20
ብዛዕባኣቶም ከዓ፥ እዚኣቶምስያ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፤ ካብ ምድሩውን ወፂኦም” እናተብሃለ፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በፅሑ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ።
21
ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ኣናሕሰኹሉ።
22
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ፥ ንቤት እስራኤል ንገሮም፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዙይ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝኣተኹምዎም ኣህዛብ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፥ ምእንታኻትኩም ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።
23
ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝረኸሰ፥ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸዓ፥ እቶም ኣህዛብ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24
“ካብ ህዝብታት ከምፅአኩም፥ ካብ ኵሉ ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እየ።
25
ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።
26
ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
27
ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፥ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፥ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ።
28
ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ፥ ህዝቢ ኸዓ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነውን ኣምላኽ ክኾነኩም እየ።
29
ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ኸናግፈኩም፥ ንእኽሊ ኽፅውዖን ከብዝሖን እየ፤ ድሕሪዙይውን ጥሜት ኣየምፅአልኩምን እየ።
30
ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ ፀርፊ ጥሜት ከይትፆሩስ፥ ንፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ።
31
ሽዑ ነቲ እኩይ መንገድታትኩምን፥ ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፥ ብሰንኪ ሓጢኣትኩምን ፅያፍኩምን ከዓ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።
32
ኣቱም ቤት እስራኤል እዙይ ምእንታኻትኩም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፥ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፤ ብሰንኪ መንገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
33
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ዘንፅሀላ መዓልቲ፥ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዝነብረን፥ እቲ ዑናታት ከዓ ኸም ዝስራሕ ክገብር እየ።
34
እታ ዝባደመት ምድሪ፥ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መንገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፥ ክትሕረስ እያ።
35
ሽዑ ኸዓ ‘እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ፥ ከም ገነት ኤደን ኮነት፤ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ፥ ዝተዓረዳን ሰብ ዝነብረለንን ኮና’ ኽበሃል እዩ።
36
እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ኣህዛብ ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕኹዎ፥ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮ ድማ እየ።”
37
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ፥ ቤት እስራኤል እዙይ ክገብረሎም ክደልዩኒ እዮም፤ ኣነውን ንሰብ ከም መጓሰ ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።
38
ከምተን እተቐደሳ መጓሰ፥ ከምተን ኣብ በዓላታ ዝኾና መጓሰ ኢየሩሳሌም፥ እተን ዝባደማ ኸተማታት፥ ብመጓሰታት ሰብ ክመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
← Chapter 35
Chapter 37 →