bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 35
Ezekiel 35
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባ ሴይር ኣብል፤ ተነበየሉውን።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ኣታ እምባ ሴይር እኒሀኹ ኣብ ልዕሌኻ እየ፤ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ።”
4
“ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፤ ንስኻ ድማ ኽትባድም ኢኻ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ።”
5
“ናይ ሓዋሩ ፅልኢ ስለ ዝነበረካ፥ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ፀበባኦምን በቲ ሓጢኣቶም፥ እተፈፀመሉ ጊዜን፤ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፥
6
ስለዙይ ኣነ ህያው እየሞ፥ ንደም ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ክውፍየካውን እየ፤ ደም ከዓ ኸሳጕጐካ እዩ፥ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር፤ ደም ኣይፀላእኻን እሞ፥ ደም ከሳጕጐካ እዩ።
7
ንእምባ ሴይር ባዶን በረኻን ክገብሮ፥ ነቲ ብእኡ ዝኸይድን ዝምለስን ድማ ኸፅንቶ እየ።
8
ንእምባታቱ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ፤ ኣብቲ በረኽትኻን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ሩባሩባታትካን፥ ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም።
9
ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፤ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ክኾና እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
10
“እግዚኣብሄር ኣብኣ እንተሎስ፥ ንስኻ እዞም ክልተ ህዝብን፥ እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ክኾኑ፥ ንሕናውን ክንወርሰን ኢና ኢልካ ኢኻ እሞ፥
11
ስለዙይ ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ኸምቲ ቝጥዓኻን፥ ከምቲ ፀሊእኻ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ፤ ምስ ፈረድኩኻ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ።
12
‘እቲ እምባታት እስራኤል በረኻ ኾይኑ፥ ብልዒ ክኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ዅሉ ፀርፍኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕኽዎ ኽትፈልጥ ኢኻ።
13
ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።”
14
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ “ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ እንተላ፥ ኣነ ኸባድመካ እየ። ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ስለ ዝባደመ እተሓጐስካዮ፥ ከምኡ ኸውርደልካ እየ፤ ኣታ እምባ ሴይር፥ ንስኻን ኵሉ ኤዶምያስን ኵሉ ብምሉኡ፥ ክትባድሙ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል ኣሎ።
← Chapter 34
Chapter 36 →