bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 34
Ezekiel 34
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ ነቶም ንርእሶም ጥራሕ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም! እቶም ጓሶትስ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኮኑን ዝጓስዩ።
3
ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፤ ፀምሪ ትኽደኑ፤ ነቲ ዝሰብሐ ተሓርዱ፤ ነቲ መጓሰ ግና ኣይተውፍሩን።
4
ንዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፤ ንዝሓመማ ኣይፈወስኩምን፤ ንዝተሰብረት ኣይፀገንኩምን፤ ንዝተባረረት ኣይመለስኩምን፤ ንዝጠፍአት ኣይደለኹምን፤ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኹምወን።
5
ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፤ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኸዓ መብልዕ ኮና፤ ፋሕውን በላ።
6
ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ እምባታትን፥ ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ተባረራ፥ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፤ ብዛዕባኣተንውን ግዲ ዘለዎን ዝደልየንን የለን።”
7
ስለዙይ “ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤
8
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣባጊዐይ ተዘሪፈን፥ ኣባጊዐይ ከዓ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ መብልዕ ኮይነን፥ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን። ጓሶተይ ድልየት ኣባጊዐይ ኣይገበሩን፤ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፥ ነባጊዐይስ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፥
9
ስለዙይ ኣቱም ጓሶት ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እየ፤ ኣባጊዐይ ከዓ ኻብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፥ ጓስነት ኣባጊዐይ ከሕድጎም እየ፤ ድሕሪዙይ ቀለቦም ከይኾና ድማ፥ ካብ ኣፎም ክምንዝዐን እየ፤ ይብል ኣሎ።”
11
ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ፥ ነተን ኣባጊዐይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ።
12
ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ።
13
ካብ ኣህዛብ ከውፅአን፥ ካብ ሃገራት ክእክበን፥ ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን፥ ኣብ እምባታት እስራኤልን፥ ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ፥ ኣብቲ ሰብ ዝነብረሉ ዅሉ ቦታ እታ ምድርን ክጓስየን እየ።
14
ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፤ ደምበአን ከዓ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት እስራኤል ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኣብ ፅቡቕ ደምበ ኽዔማ፥ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክጓሰያ እየን።
15
ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ከውፍረን፥ ባዕለይ ድማ ኸስፍረን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16
“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።
17
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣትን ኣባጊዐይ፥ እንሆ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፥ ኣብ መንጎ ማጓሉን ዲባሉን ክፈርድ እየ።
18
ነቲ ዝተረፈ መውፈሪኹም በእጋርኩም እትረግፅዎስ ኣብቲ ልሙዕ ምውዓልዶ ውሒዱኩም እዩ? ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎኸ፥ እቲ ፅሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒዱኩም እዩ?
19
እሞ እተን ኣባጊዐይ፥ እቲ በእጋርኩም እተረግፀዶ ኽበልዓ እየን? እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎኸ ኽሰትያ ድየን?’ ”
20
ስለዙይ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን፥ እተን ዕባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ።
21
ንዅለን እተን ዝሓመቓ፥ ክሳዕ ሰጒጕኩም ፋሕ እተብልወን፥ ብጐድንን ብማእገርን ስለ ዝጐነፅኩምወን፥ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኹምወን፥
22
ስለዙይ ኣነ ነባጊዐይ ድሕሪዙይ ንዘመተ ኸይውፈያ ኸድሕነን፥ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከዓ ኽፈርድ እየ።
23
ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ።
24
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእኸሎም ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።
25
ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”
26
ኣነ ኸዓ “ንኣኣተን ነቲ ኣብ ዙርያ ዀረብታይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ፤ ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፤ ዝናም በረኸትውን ክኸውን እዩ።
27
ኦም በረኻ ፍረኡ ኸፍሪ እዩ፤ ምድሪ እውን በቝላ ኽትህብ እያ። ኣብ ምድሮም ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፥ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከዓ ምስ ኣናገፍክዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
28
ድሕሪዙይ ዘመተ ኣህዛብ ኣይኾኑን እዮም። ኣራዊት ምድሪ ኸዓ ኣይበልዕዎምን እዮም፤ አረ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ዘፍርሖምውን የለን።
29
ንናእዳ ዝኾኖም ተኽሊ ኸተስአሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኣብታ ምድሪ ብጥሜት ኣይጠፍኡን፤ ድሕሪ ደጊም ድማ ፀርፊ ህዝብታት ኣይፆሩን እዮም።
30
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም ከም ዝኾንኩ፥ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝኾኑ ኽፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
31
“ኣቱም ኣባጊዐይ፥ ኣባጊዕ መውፈሪየይ፥ ንስኻትኩም ሰባት ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 33
Chapter 35 →