bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 33
Ezekiel 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ ተዛረቦም፤ በሎምውን፦ ኣነ ሰይፊ ናብ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ፥ ህዝቢ እታ ምድሪ ኸዓ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ክኾኖም እንተ መረፅዎ፥
3
ንሱ ኸዓ ሰይፊ ናብታ ምድሪ ኽመፅእ እንተ ረአየ እሞ፥ መለኸት እንተ ነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ኣጠንቀቖም፥
4
ሓደ ነቲ ድምፂ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፥ ሰይፊ መፂኡ ኸዓ እንተ ወሰዶ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ።
5
ድምፂ መለኸት ሰሚዑ ኣይተጠንቀቐን እሞ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ፤ እንተ ዝጥንቀቕስ ንነፍሱ መድሓና ነይሩ።
6
እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመፅእ እንተሎ እንተ ረአየ፥ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ዘየጠንቀቖም፥ ሰይፊ መፂኡውን ንሓደ ኻብኣቶም እንተ ወሰዶ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ይውሰድ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።”
7
እምበኣርከስ “ኣታ ወዲ ሰብ” ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፤ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
8
ኣነ ነቲ ሓጥእ “ኣታ ሓጥእ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ” እንተ በልክዎ፥ ንስኻ ኸዓ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ ኢልካ፥ ክጥንቀቕ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፥ እዝ ሓጥእ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።
9
ግናኸ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ መንገዱ እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።”
10
ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፦ “ንስኻትኩምስ፥ ሓጢኣትናን በደልናን ኣብ ርእስና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብሰንኩ ንደክም ኣለና፤ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፥ ትብሉ ኣለኹም በሎም።
11
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
12
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ በታ ንሱ ዝበደለላ መዓልቲ ኣየድሕኖን እዩ፤ ሓጢኣት እቲ ሓጥእ ከዓ፥ በታ ኻብ ሓጢኣት ዝምለሰላ መዓልቲ ብሓጢኣቱ ኣይሰናኸልን እዩ፤ እቲ ፃድቕውን በታ ዝሓጥአላ መዓልቲ፥ በቲ ፅድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ።
13
ነቲ ፃድቕ ብርግፅ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ብፅድቁ ተአሚኑ እንተ ሓጥአ፥ ንሱ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ እምበር፥ እቲ ዅሉ ፅድቁ ኣይዝከረሉን እዩ።
14
ነቲ ሓጥእ ድማ ብርግፅ ሞት ክትመውት ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን እንተ ገበረ፥
15
እቲ ሓጥእ ትሕጃ እንተ መለሰ፥ ዝዘመቶ እንተ ኸሓሰ፥ ግፍዒ እንተይገበረ ብሕግጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፥ ንሱ ርግፅ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ኣይመውትን እዩ።
16
እቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይዝከረሉን፤ ፍትሕን ቅንዕናን ገይሩ እዩ እሞ፥ ርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።
17
“ግና ደቂ ህዝብኻ ኸዓ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ይብሉ ኣለዉ፤ ግናኸ ዘይቅኑዕስ መንገዳቶም እዩ።
18
ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ፥ ዓመፃ ኸዓ እንተ ገበረ፥ ብሰንካ ኽመውት እዩ።
19
ሓጥእውን ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን ድማ እንተ ገበረ፥ ብህይወት ክነብር እዩ።
20
ንስኻትኩም ግና መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ።”
21
ኮነ ድማ፥ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ነታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናባይ መፀ እሞ፥ እታ ኸተማስ ተትሒዛ በለኒ።
22
እቲ ዘምለጠ እንተይመፀ እንተሎ፥ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፂኣ ነበረት። ንፅባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዝመፀኒ ኸዓ ኣፈይ ከፈተለይ። በዝ ከምዙይ ኣፈይ ተኸፍተለይ፤ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይኮንኩን።
23
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
24
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ።
25
“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣለኹም፤ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣዖታትኩም፥ ቈላሕ ይብላ ኣለዋ። ደም ትኽዕዉ ኣለኹም፤ ምስ ናይ እዙይስ፥ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።
26
ኣብ ሰይፍኹም ትፅግዑ፥ ፅያፍ ትገብሩ ኣለኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብፃዩ የርክስ ኣሎ፤ ምስ ናይ እዙይስ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።”
27
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “ኣነ ህያው እየ፤ እቶም ኣብ ዑናታት ዝነብሩ፥ ብርግፅ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኸዓ፥ ብልዒ ኣራዊት ክኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕሩድ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ዝነብሩ ድማ ብፌራ ኽሞቱ እዮም።
28
ኣነ ነታ ምድሪ እቲኣ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ፤ እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ፤ እምባታት እስራኤል ድማ ዝሓልፈሉ ዘይብሉ ኾይኑ ኽባድም እዩ።
29
ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ ፅያፎም፥ ነታ ምድሪ እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ምስ ገበርክዋ፥ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
30
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን፥ ኣብ ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኮይኖም፥ ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፤ ንስንሳቶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ‘እስኪ ንዑናይ ካብ እግዚኣብሄር ዝወፅእ ቃል፥ እንታይ ከም ዝኾነ ንስማዕ’ ይባሃሃሉ ኣለዉ።
31
ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ።
32
እምበኣርከስ ንስኻ ፅቡቕ ድምፂ ኸም ዘለዎ ተፈታዊ መዝሙር፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ኮንካዮም፤ ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፥ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም።
33
እንሆ እዙይ ይመፅእ ኣሎ፤ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቢይ ኣብ ማእኸሎም ከም ዝነበረ ኽፈልጡ እዮም።”
← Chapter 32
Chapter 34 →