bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 32
Ezekiel 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኮነ ድማ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ኣብታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ መልቀስ ኣልቅሰሉ በሎውን፦ ‘ንስኻ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፥ ኣብ ባሕርታት ከዓ ኸም ገበል ትመላለስ ነበርካ፤ ኣብ ሩባታትካውን ጠውላሕላሕ በልካ፤ በእጋርካ ማያት ኣናዊፅካ ነቲ ወሓዚ ድማ ዘረግካዮ።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብብዙሓት እኩባት ኣህዛብ ገይረ፥ ኣነ መርበበይ ክዝርግሐልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመርበበይ ክስሕቡኻ እዮም።
4
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፃሕ ከብለካ፥ ኣብ በረኻ ኽድርብየካ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ፤ ንኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ፥ ብኣኻ ኸፅግቦም እየ።
5
ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ እምባታት ከንብሮ፥ ንሽንጥሮታት ከዓ ብኣስከሬንካ ኽመልኦ እየ።
6
ነታ እትሕምሰላ ዘለኻ ምድሪ፥ ክሳዕ እምባታት ብደምካ ኸስትያ እየ፤ እቲ ሩባታት ከዓ ብኣኻ ኽመልእ እዩ።
7
ከጥፍአካ እንተለኹ፥ ንሰማያት ከጐልብቦ፥ ንኸዋኽብቱ ኸዓ ኸፀልምቶም፥ ንፀሓይ ድማ ብደመና ኽኽውላ እየ፤ ወርሒውን ብርሃና ኣይትህብን እያ።
8
ንዅሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰንክኻ ኸፀልምቶ፥ ኣብ ምድርኻውን ፀልማት ክዝርግሕ እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9
“ወረ ጥፍኣትካ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ዘይተፈልጡ ሃገራት ምስ ኣብፃሕኹ፥ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከጨንቕ እየ።
10
ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኣቶም ማሕማሕ ከብሎ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ብኣኻ ኸሰኽሖም እየ፤ ነገስታቶም ድማ የመና ኽርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ኵልሻዕ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ክብል እዩ።”
11
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ክለዓለካ እዩ።
12
ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ፥ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኵላቶም፥ ካብ ኣህዛብ ዝጭክኑ እዮም። ንትዕቢት ግብፂ ኸጥፍእዎ እዮም፤ ኵሉ እቲ ብዝሓታ ኸዓ ኽጠፍእ እዩ።
13
ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዅሎም እንስሳት ከጥፍእ እየ። ድሕሪዙይ እግሪ ሰብ ኣይዘርጎን፤ ሸዀና እንስሳውን ኣይረግፆን እዩ።
14
ሽዑ ንማያቶም ከፅርዮ እየ፤ ንሩባታቶም ድማ ኸም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
ነታ ምድሪ ግብፂ በረኻ ምስ ገበርክዋ፥ እቲ ነታ ምድሪ መሊእዋ ዝነበረ ምስ ባደመ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም ምስ ወቓዕኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
16
እቲ ዝልቀስ መልቀስ እዙይ እዩ፤ ኣዋልድ ህዝብታት ከልቅሳላ እየን፤” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
17
ኮነ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
18
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኣልቅሰሉ፤ ንኣኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትንውን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ደርብየን።”
19
“ብፅባቐ ኻብ መን ትበልፂ? ውረዲ ምስቶም ዘይግሩዛት ከዓ ደቅሲ።
20
“ኣብ ማእኸል እቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። ንሰይፊ ተውሂባ ኣላ፥ ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጕተትዋ።
21
ካብቶም ጀጋኑ እቶም ኣውራታት ሓያላት፥ ካብ ውሽጢ ሲኦል፥ ንእኡን ንደገፍቱን ከምዙይ ኢሎም ክዛረብዎ እዮም፤ ‘እቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ወሪዶም ኣብኡ ለጥ ኢሎም’ ኣለዉ።
22
“ኣብኡ ኣሶርን ኵሉ ህዝባን ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኵላቶም ብሰይፊ ወዲቖም ተቐተሉ።
23
መቓብሮም ኣብ ዓሚቍ ጕድጓድ፥ ህዝባ ኸዓ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዝስክሑ ዝነበሩ ዅላቶም፥ ብሰይፊ ወዲቖም ተቐቲሎም እዮም።
24
“ኣብኡ ዔላምን ኵሉ ህዝባን፥ ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኵላቶም ተቐተሉ፤ ብሰይፊ እውን ወደቑ። ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ዝነበሩ ዘይግሩዛት ናብ መዓሙቝ ምድሪ ወረዱ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ተሸከሙ።
25
ንኣኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእኸል እቶም ቅቱላት ኣንፀፉሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ነበሩ እሞ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም። ነውሮም ድማ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተሸከሙ፤ ኣብ ማእኸል ቅቱላትውን ነበሩ።
26
“ኣብኡ ሞሳህን ቶቤልን ምስ ኵሉ ህዝቦም ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኣቶም ድማ መቓብሮም ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም።
27
ንሳቶም ከዓ ምስቶም ካብቶም ዘይግሩዛት ዝወደቑ፥ ምስ ኣፅዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስይፍቶም ዘንበሩ ጀጋኑ፥ ምስኣቶም ክድቅሱ እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ልዕሊ ኣዕፅምቶም እዩ።
28
“ንስኻ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ክትሰባበር፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ድማ ኽትድቅስ ኢኻ።
29
“ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም ኣሕሉቓን ኣለዉ፤ እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ ተነበሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱን ዘይግሩዛትን ደቂሶም ኣለዉ።
30
“ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ፥ ኵላቶም ኣሕሉቕ ሰሜንን፥ ኵላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዘሰክሑ እንትኾኑ፥ ነዊሮም ዘይግሩዛት ኮይኖም፥ ምስቶም ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ይድቅሱ ኣለዉ፤ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸዓ ነውሮም ይፆሩ ኣለዉ።
31
“ፈርዖን ክሪኦም፥ ስለ ዅሉ ህዝቡ ኸዓ ኽፀናናዕ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
32
“ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዝኸውን ከምፅእ እየ እሞ፥ ንፈርዖንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ማእኸል እቶም ዘይግሩዛት ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ፥ ለጥ ከብልዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 31
Chapter 33 →