bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 31
Ezekiel 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቡን ‘ብዕቤትካ ንመን ትመስል?’ በሎ።
3
“እንሆ ኣሶር ጨናፍሩ ዝፅቡቕ፥ ፅላሉ ዝዕሙር፥ ቁመቱ ዝነዊሕ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ኸም ዝነበረ፥ ከም ኦም ሊባኖስ ነበረ።
4
ማያት ኣብቈልዎ፤ ቃላይ ኣዕበዮ፤ ውሕጅ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሓዘ፤ ፈሳሲኡውን ናብ ኵሉ ኣእዋም በረኻ ሰደደ።
5
ስለዙይ ቁመቱ ኻብ ኵለን ኣእዋም በረኻ ተመልመለ፤ ሳላ እቲ ዘዕምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት ጨናፍሩ በዝሐ፤ ጨንገፉ ነውሐ።
6
ኣብቲ ጨናፍሩ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ጨንገፉ ድማ ዅሎም እንስሳ በረኻ ተዋለዱሉ፤ ኣብ ፅላሉ ኸዓ፥ ኵሎም ዓበይቲ ኣህዛብ ይቕመጡሉ ነበሩ።
7
ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፥ ብዕቤቱን ብምንዋሕ ጨንገፉን ፅቡቕ ነበረ።
8
ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ክኽውሎ ኣይከኣለን፤ ፅሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸልዎን፤ ፀሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ካብ ዘሎ ኦም፥ ሓደ እኳ ብፅባቐ ኣይተመዓራረዮን።
9
ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ፅቡቕ ገበርክዎ፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣእዋም ኤደን ከዓ ዅላተን ቀንኣሉ።”
10
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብቑመት ልዕል ልዕል ስለ ዝበልካ፥ ርእስኻውን ኣብ ማእኸል ዕሙር ደመና ጨናፍር ስለ ዝገበረ፥ ብምኽንያት ቁመቱ ልቡ ስለ ዝተዓበየ፥
11
ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ናይ ኣህዛብ ሓያል ከም ድሌቱ ኽገብሮ ኣሕሊፈ ሃብክዎ፤ ብሰንኪ ኽፍኣቱ ደርበኽዎ።
12
እቶም ጓኖት ናይ ኣህዛብ ጨካናት፥ ቈራሪፆም ደርበይዎ፤ ጨናፍሩ ኣብ እምባታትን ኣብ ኵሉ ሩባታትን ወደቐ፤ ጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣፃድፍ እታ ምድሪ ተሓምሸሸ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ፥ ካብ ፅላሉ ተመለሱ፤ ሓደግዎውን።
13
ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዱ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፤ ኵሎም እንስሳ በረኻ ድማ ኣብ ጨንፈሩ ሰፈሩ።
14
እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ፥ ሰባት ከም ዝቝዝሙ ገበርኩ፤ ብሰንኩ ንቓላይውን ምእንታኡ ኣጐልበብኩዎ፤ ንወሓይዙ ኸልከልክዎ፤ ዓበይቲ ማያት ተኸልከሉ፤ ብሰንኩ ንሊባኖስ ኣሕዘንክዎ፤ ብሰንኩ ዅለን ኣእዋም በረኻ ተናወፃ።
16
ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎ፥ ካብ ድምፂ ምውዳቑ ዝተልዓለ ንኣህዛብ ራዕራዕ ኣበልክዎም፤ ኵላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሕሩያትን ፅቡቓትን ኣእዋም ኤደን፥ ማይ ዝሰትያ ዝነበራ ዅለን፥ ኣብቲ መዓሙቝ ምድሪ ተፀናንዓ።
17
ንሳቶም ድማ ናብቶም ቅልፅሙ ኾይኖም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣብ ፅላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።”
18
እምበኣርከስ “ብኽብረትን ዕቤትን፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ኤደን፥ ንመን ኢኻ እትመስል? ከምኡ ኸዓ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤደን፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይተገዝሩ፥ ኣብ ማእኸል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ፤ እዙይ ፈርዖንን ኵሎም ህዝቡን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 30
Chapter 32 →