bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 30
Ezekiel 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ተነበ፤ በልውን፤ መዓልቲ ቐሪባ፥ እወ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፤ መዓልቲ ደመና ጊዜ ኣህዛብ ክኸውን እዩ እሞ፥ ‘ዋይ በሉ ንመዓልቲ! ዋይ በሉ!’
4
ሰይፊ ኣብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ፤ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብፂ ምስ ወደቑ፥ ሃብታ ምስ ተወሰደ፥ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሓት ክኸውን እዩ።
5
ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን ኩብን፥ ደቂ እታ ኺዳን ዝኣተወት ምድርን ምስኣቶም ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።”
6
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ንግብፂ ዝድግፉ ኽወድቁ እዮም፤ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸዓ ኽዋረድ እዩ፤ ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴዌኔር፥ ኣብኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
7
ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት ከዓ ኽባድሙ እዮም፤ ከተማታቶም ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ክኾና እየን።
8
ኣብ ግብፂ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ ደገፍታ ዅሎም ከዓ ምስ ተሰባበሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
9
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ደሓን ኣለኹ እትብል ኢትዮጵያ ኸሰምብድዋ፥ ልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገፀይ ክወፁ እዮም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ግብፂ ዝኾነ ፍርሓት ክኾኖም እዩ።”
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኸጥፍኦ እየ።
11
ንሱን ህዝቡ ኸዓ ምስኡን ካብቶም ህዝብታት የመና ዝጭክኑ፥ ነታ ምድሪ ኸጥፍእዋ ኽወፁ እዮም፤ ሰይፎም ንግብፂ ኽመዙላ፥ ነታ ምድሪ እውን ብቕቱላት ክመልእዋ እዮም።
12
ነቲ ሩባታት ከንፅፎ፥ ነታ ምድሪ ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰባት ክሸጣ እየ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድሞ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”
13
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንጣዖታት ከጥፍኦም ንምስልታት ካብ ሜምፎስ ከወግዶም እየ፤ ድሕሪዙይ ካብ ምድሪ ግብፂ መስፍን ኣይኸውንን እዩ፤ ናብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ፍርሓት ከምፅእ እየ።
14
ንጳጥሮስ ከባድማ፥ ኣብ ፆዓን ሓዊ ኽእጕድ፥ ኣብ ኖእ ከዓ ፍርዲ ኽገብር እየ።
15
ቍጥዓይ ከዓ ናብ ሲን እታ ዕርዲ ግብፂ ኽኽዑ ንህዝቢ ኖእ ድማ ኸጥፍእ እየ።
16
ኣብ ግብፂ ሓዊ ኽእጕድ እየ፤ ሲን ክትጭነቕ እያ፤ ኖእ ክትጠፍእ እያ፤ ንሜምፎስ ከዓ ፀላእቲ ብመዓልቲ ኽመፅዋ እዮም።
17
ኣጕባዝ ኣቤንን ፊቤሴትን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ንሳተን ከዓ ኽማረኻ እየን።
18
ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን።
19
ከምዙይ ገይረ ኣብ ግብፂ ፍርዲ ኽፈርድ እየ፤ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
20
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
21
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቕልፅም ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሰበርክዋ፤ እንሆ ድማ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል ፈውሲ ገይሩ ብዓለባ ዝፅግና የለን።”
22
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣብ ርእሱ ኣለኹ፤ ነተን ቀላፅሙ፥ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን ክሰብረን፥ ነቲ ሰይፊ ኸዓ ኻብ ኢዱ ኸውድቖ እየ።
23
ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ።
24
ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን ሰይፈይ ድማ፥ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፤ ንቐላፅም ፈርዖን ግና ኽሰብረን እየ፤ ንሱ ድማ ኸምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቕንዞ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕንዞ እዩ።
25
ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን እየ፤ ቀላፅም ፈርዖን ግና ዘርጋሕ ኢለን ክወድቃ እየን፤ ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሓዝክዎ፥ ንሱውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
26
ነቶም ግብፃውያን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክብትኖም፥ ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ፋሕ ከብሎም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
← Chapter 29
Chapter 31 →