bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 29
Ezekiel 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ዓስረይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣቢልካ ምለስ፤ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፅን ከዓ ተነበ።
3
ተዛረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገር፤ ኣታ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸል ሩባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፥ ንስኻ እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፤ እትብል ዘለኻ እኒሀኹ ተልዓልኩኻ።
4
ኣብ ምንጋጋኻ መቝለብ ክገብር፥ ንዓሳታት ሩባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፤ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቢቑ ዘሎ ዓሳ ኸዓ፥ ካብ ማእኸል ሩባታትካ ኸውፅአካ እየ።
5
ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ሩባታትካን፥ ኣብ በረኻ ኽድርቢ፥ ኣብ በረኻ ኽትወድቕ ኢኻ፤ ኣይትእረን ኣይትእከብንውን ኢኻ፤ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን፥ ምግቢ ገይረ ወፈኹኻ።
6
እቶም ኣብ ግብፂ ዝነብሩ ዅሎም፥ ንቤት እስራኤል ምርኵስ ዘንጊ ኾይኖምዎም እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
7
“ብኢዶም እንተ ሓዙኻ ተሰበርካ፤ ንዅሉ መንኵቦም ከዓ ወጋእኻ፤ እንተ ተፀግዑኻ ተሰባበርካ፤ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም።
8
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምፅአልካ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻባኻ ኸጥፍእ እየ።
9
እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ዝገበርክዎ ኢሉ እዩ እሞ፥ ምድሪ ግብፂ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም።
10
“ስለዙይ እኒሀኹ፥ ኣባኻን ኣብ ሩባታትካን ክለዓለካ፥ ንሃገር ግብፂ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴዌኔና፥ ክሳዕ ወሰን ኢትዮጵያ ኸዓ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ።
11
እግሪ ሰብ ኮነ፥ እግሪ እንስሳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ፤ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን።
12
ንሃገር ግብፂ ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ፤ ከተማታታ ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ክኾና እየን፤ ንግብፃውያን ከዓ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክብትኖም እየ።”
13
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብፃውያን ካብ ማእኸል እቶም ተበቲኖምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ።
14
ንምርኮ ግብፂ ኽመልሶም፥ ናብታ እተወለዱላ ናብ ምድሪ ጳጥሮስ ድማ ኽመልሶም እየ፤ ኣብኣውን ዝተዋረደት መንግስቲ ክኾኑ እዮም።
15
ካብ ካልኦት መንግስትታት ትሕት ክትብል፥ መሊሳ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኣይትዕበን እያ፤ መሊሶም ኣብ ኣህዛብ ከይገዝኡስ ከውሕዶም እየ።
16
ድሕሪዙይ ቤት እስራኤል ብኣኣቶም ኣይእመኑን እዮም፤ ናብኣቶም ቈላሕ እንተ በሉ ግና በደሎም ከዘክርዎም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
17
ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት፥ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀኒ፦
18
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ፃዕሪ ኣፅዓሮም፤ ርእሲ ነዂዑ፤ መንኵብ ተመሊጡ፤ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ዝፀዓሮ ፃዕሪ፥ ንሱ ወይ ጭፍራኡ ዝኾነ ደመወዝ እኳ ኣይረኽቡን።
19
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንምድሪ ግብፂ ኽህቦ እየ፤ ንሱ ሃብታ ኽወስድ፥ ዝዝረፍ ክዘርፍ፥ ዝዝመት ከዓ ኽዘምት እዩ፤ እዙይ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ክኸውን እዩ።
20
ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፥ ፃማ ፃዕሩ ምድሪ ግብፂ ሃብክዎ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21
“በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፥ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእኸሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
← Chapter 28
Chapter 30 →