bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 28
Ezekiel 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንመስፍን ጢሮስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፤ ልብኻ ተዓብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ድማ፥ ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣለኹ ትብል ኣለኻ እሞ፥ ንልብኻ እኳ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፥ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
3
እንሆ ኻብ ዳንኤል ንስኻ ጥበበኛ ኢኻ፤ ኵሉ ምስጢርውን ኣይሕብአካን እዩ።
4
ብጥበብካን በኣእምሮኻን ሃብቲ ኣጥረኻ፤ ኣብ መዛግብትኻ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ።
5
በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብንግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕኻ፤ ብምኽንያት ሃብትኻ ኸዓ ልብኻ ተዓበየ።”
6
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፥
7
ስለዙይ፥ እንሆ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዝጭክኑ ጓኖት ከተስአልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ ፅቡቕ ጥበብካ ሰይፎም ክመዙ፥ ግርማኻ ድማ ኸርክሱ እዮም።
8
ናብ ጕድጓድ ከውርዱኻ እዮም፤ ንስኻውን ከምቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽትመውት ኢኻ።
9
ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
10
ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ንስኻ ኸምቲ ኣማውታ ዘይግሩዛት፥ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
11
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
12
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ንስኻ ጥበብ ዝመልአካ፥ ፍፁም ዝመልክዕኻ፥ ብሉፅ ማሕተም ነበርካ።
13
ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።
14
ንስኻ ዘፅልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፤ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ እምባ እግዚኣብሄር ኣስፈርኩኻ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።
15
ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ፥ ክሳዕ እቲ በደል እተረኽበካ ጊዜ፥ ብመንገድካ ፍፁም ነበርካ።
16
ብብዝሒ ንግድኻ ውሽጥኻ ብዓመፃ መልአ እሞ፥ ሓጢኣት ገበርካ፤ ስለዙይ ኣታ እተፅልል ኪሩብ፥ ካብቲ እምባ ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርበኹኻ፤ ካብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸዓ ኣጥፋእኩኻ።
17
ብምኽንያት መልክዕኻ ልብኻ ተዓበየ፤ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሸኻ፤ ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣበልኩኻ፤ ንኽሪኡኻ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፈኹኻ።
18
ብብዝሒ በደልካን፥ ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ንግድኻን፥ ንመቕደስካ ኣርከስካዮ፤ ስለዙይ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውፃእኹ፤ ንሳውን በልዐትካ፤ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዝሪኡኻ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ።
19
እቶም ዝፈልጡኻ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብኣኻ ኽስክሑ እዮም፤ መሰክሒ ኾንካ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኸቶ ኣይትህሉን ኢኻ።”
20
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
21
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።
22
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ ኣቲ ሲዶን እኒሀኹ ኣብ ርእስኺ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ክኸብር እየ፤ ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈፀምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
23
ፌራን ደምን ኣብ ኣደባባያ ኽሰደላ እየ፤ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸዓ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእኸላ ፃሕ ክብሉ እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
24
“ድሕሪዙይ ንቤት እስራኤል፥ ኣብ ኵሎም እቶም ዘቃልልዎም ጐረባብቶም፥ ዝወግእ እሾዅ ወይ ዘሕምም ተዀርባ ኣይህሉን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
25
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእኸሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ምስ ኣከብክዎም፥ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣህዛብ፥ ኣብኣቶም ክቕደስ፥ ንሳቶም ከዓ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሃብክዋ ምድሮም ክነብሩ እዮም።
26
ኣብኣ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣባይቲ ኸዓ ኽሰርሑ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኽተኽሉ እዮም፤ ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኣም ኮይኖም ዘቃልልዎም ዘለዉ፥ ፍርዲ ምስ ፈፀምኩ፥ ሽዑ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”
← Chapter 27
Chapter 29 →