bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 27
Ezekiel 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ።
3
ንጢሮስ በላ፤ ‘ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፥ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለዉ ኣህዛብ ከዓ እትነግዲ፥’ ኸምዙይ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፦ ‘ኣቲ ጢሮስ ባዕልኺ ብመልክዕ፥ ፍፅምቲ ኣነ እየ በልኪ።’
4
ወሰንኪ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እዩ፤ እቶም ሃነፅትኺ ነቲ መልክዕኺ ፈፀምዎ።
5
ንጎቦታትኪ ብፅሕዲ ሰኒር ሰርሕዎ፤ ደቐል መራኽብ ክገብሩልኪ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ።
6
መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፤ ኮፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሸሊሞም በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመፀ ኣእዋም ገበሩ።
7
እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝኾነኪ ጋንፅላኺ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ቐጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብፂ ነበረ፤ ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ቀይሕ መጋረጃኺ ነበረ።
8
ኣቲ ጢሮስ፥ እቶም ዝቐዝፉልኪ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፤ እቶም ኣባኪ ዘለዉ ጠቢባንኪ፥ መራሕቲ መራኽብኪ ኾኑ።
9
እቶም ሽማግለታት ጌባልን እቶም ጠቢባንን፥ ነቲ እተሰብረ ዘዐርዩ ኣብ ማእኸልኪ ነበሩ፤ ኵላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን ንግዶም ክለዋወጡኺ ኣባኺ ነበሩ።”
10
“ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ፤ ዋላቱን ቍራዕ ርእስንውን ሰቐሉልኪ፤ ንሳቶም ገይፂ ሃቡኺ።
11
ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቕፅርኺ፥ ሰብ ገማድያ ኸዓ ኣብ ግንብታትኪ ነበሩ፤ ዋላቱኦም ኣብ ወሰና ወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፤ ንመልክዕኺ ፈፀምዎ።”
12
“ተርሴስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ፥ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፤ ብብሩርን ሓፂንን ቆርቆሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ።
13
ያዋንን ቶቤልን ሞሳሕን ነጋዶኺ ነበሩ፤ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምፅኡ።
14
ካብ ቤት ቴርጋማ በፍራስን በፍራስ ውግእን ብበቕልታትን ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ።
15
ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፤ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነጊዶም ኣመሓላለፉ፤ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከዓ ገፀ በረኸት ኣምፅኡልኪ።
16
ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፤ ብኽቡር ዕንቍን ብቀይሕ ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባን፥ ብዛዕጐልን ብሮቢኖስን፥ ገይሮም ለውጢ ንግድኺ ሃቡኺ።
17
ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፤ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመፀ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ።
18
ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን፥ ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝኾነ ሃብትን ብወይንን ብኬልቦንን ብፀምርን መናግድኺ ነበረት።
19
ዌንዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓፂንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ።
20
ዴዳን ብኽቡር መረሻታት ምሳኺ ንግዳ ገበረት።
21
ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ፤ ምሳኺ ኽነግዱ ጥቦታትን ማጓሉን ኣጣልን ኣምፅኡ።
22
እቶም ነጋዶ ሳባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ፤ ብብሉፅ ቀመምን ብኽቡር ኣእማንን ብወርቅን ይነግዱ ነበሩ።
23
ካራንን ካኔን ኤዶንን ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ።
24
ብብሉፅ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀ ዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፥ ብኦም ሊባኖስ ዝተገብረን፥ በግማድ እተኣስረን ክቡር ዓለባ ዝመልአ ሳፁን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ።
25
መራኽብ ተርሴስ ከዓ ቃፍላይ ንግድኺ ነበሩ። ተመሊእኺ ነበርኪሞ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ የመና ኸበርኪ።
26
እቶም ዝቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፤ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።
27
ሃብትኽን መናገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን መራሕቲ መራኽብክን መዐረይቲ ስቡርክን ነጋዶኽን፥ ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ጭፍራ ውግእኽን፥ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽወድቁ እዮም።
28
ካብ ኣውያት እቶም መራሕቲ መራኽብኪ ዝተልዓለ፥ እቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ክብሉ እዮም።
29
ኵላቶም ብመቕዘፍ ዝቐዝፉን ባሕረኛታትን፥ ኵላቶም መራሕቲ መራኽብን፥ ካብ መራኽቦም ክወርዱ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኽቖሙ እዮም።
30
ብዛዕባኺ ድምፆም ከስምዑ፥ ኣምሪሮም ድማ ኽበኽዩልኪ እዮም፤ ኣብ ርእሶም ሓመድ ክንስንሱ፥ ኣብ ሓመዅሽቲውን ጠንቀላዕላዕ ክብሉ እዮም።
31
ርእሶም ክላፅዩልኪ፥ ከሊ ኽዕጠቑልኪ፥ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ክበኽዩልኪ እዮም።
32
እናሕቘንቈኑ ብቝዘማ፥ ‘ኸምታ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ስቕ ዘበልዋ፥ ከም ጢሮስ መን ነበረት?’ ኢሎም ክቝዝሙልኪ እዮም።
33
ኣቑሑ ንግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወፀ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣፅገብክዮም፤ በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ንግድኽን፥ ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም።
34
በታ ኣብ ባሕሪ ኣብቲ ዓሚቝ ማያት እተሰበርክላ ጊዜ፥ ንግድኽን ኵሉ ህዝብኽን ኣብ ማእኸልኪ ወደቐ።
35
እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኽስክሑ፥ ነገስታቶም ከዓ ኽርዕዱ እዮም፤ ገፆምውን ክኽፋእ እዩ።
36
እቶም ነጋዶ ህዝብታት ክፋፅዩልኪ እዮም፤ መሰክሒ ዄንኪ ንዘለኣለም ኣይትህልውን ኢኺ።”
← Chapter 26
Chapter 28 →