bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 26
Ezekiel 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኮነ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥
3
“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቲ ጢሮስ ኣንፃርኪ እየ፤ ከምቲ ንባሕሪ ማዕበል ዘልዕለሉ፥ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተስአልኪ እየ።
4
ንቕፅርታት ጢሮስ ከጥፍእዎ፥ ንግምብታታ ኸዓ ኸፍርስዎ፥ ሓመዳ ኽፀርገላ፥ ልምፅምፅ ዝብል ኰዅሒ ኽገብራ እየ።
5
ንሳ ኣብ ማእኸል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ፤ ኣነ ተዛሪበ እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ንህዝብታት ብዝበዛ ኽትከውን እያ።
6
እተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልዳ ኸዓ፥ ብሰይፊ ኽቕተላ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽፈልጡ እዮም።”
7
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፥ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን፥ ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን፥ ብዙሕ ህዝብን፥ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምፅኦ እየ።
8
ነተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልድ ደቅኺ፥ ብሰይፊ ኽቐትለን ዕርዲ ኽዕርደልኪ፥ ሓመድ ክዅምረልኪ፥ ዋልታታት ከልዕለልኪ እዩ።
9
ነቲ መፍረሲኡ ናብ ቅፅርኺ ኣቢሉ ኽተኽሎ እዩ፤ ብመሳርሒኡ ኸዓ ንግንብታትኪ ኸፍርሶ እዩ።
10
ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ ዝተልዓለ፥ ኣቦራ ኸጐልብበኪ እዩ፤ ብፍሩስ ቅፅሪ ኣብ ከተማ ኸም ዝኣትዉ፥ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኽአቱ እንተሎ፥ ህዱድ ብምባል ብፈረሰኛታቱን ብመንኰራዅሩን ብሰረገላታቱን፥ ቅፅርታትኪ ኽናወፅ እዩ።
11
ንዅሉ ኣደባባያትኪ ብሸዀና ኣፍራሱ ኽረግፆ፥ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኽቐትሎም፥ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ፥ ኣብ ምድሪ ፃሕ ክብል እዩ።
12
ንመዛግባትኺ ኽብዝብዙ፥ ነቓሑ ንግድኪ ኽዘምቱ፥ ንመናድቕኪ ኸፍርሱ፥ ነቲ ብሉፅ ኣባይትኺ ኸፍርሱ፥ ነእማንክን ኣዕፃውክን ሓመድክን፥ ኣብ ማእኸል ማይ ክድርብዩዎ እዮም።
13
ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ።
14
ልሙፅ ኰዅሒ ኽገብረኪ እየ፤ መስጥሒ መርበብ ክትኮኒ ኢኺ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብኩ እሞ፥ ከም ብሓድሽ ኣይትስርሕን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዙይ ይብላ ኣሎ፦ “ብሕማም ምውዳቕኪ፥ እቶም ውፁዓት ውጉኣት ክቕንዘዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸልኪ ክቕተሉ እንተለዉ፥ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይሕዘንን እዩ?
16
ሽዑ ዅላቶም ኣሕሉቕ ባሕሪ፥ ካብ ዝፋናቶም ክወርዱ፥ ባርኖሶም ክቕንጥጡ፥ ጥሉፍ ኣልባሶም ክድርብዩ፥ ስምባደ ክኽደኑ፥ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ፥ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ክብሉ፥ ብኣኺውን ክስክሑ እዮም።
17
“ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፥ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፥ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዝነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ፥ ንዅሉ ሰብ መፍርሒት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፥ ከመይ ኢልኪ ኾን ጠፋእኪ? ‘ሕዚ እተን ደሴታት፥ በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኸንቀጥቅጣ፥ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ ብመወዳእታኺ ኽስምብዳ እየን’ ኢሎም መልቀስ ከልቅሱልኪ እዮም።”
19
እግዚኣብሄር ኣምላኽስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምተን ሓደ እኳ ዝነብረን ዘይብለን ከተማታት ገይረ፥ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፥ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፥ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፥
20
ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ።
21
መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፥ ኣይትህልውን ኢኺ፤ ዝደለየ እኳ እንተ ደለየኪ፥ ከቶ ንዘለኣለም ኣይትርከብን ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 25
Chapter 27 →