bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 25
Ezekiel 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም።
3
ንደቂ ኣሞን ከዓ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፥ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፥ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ፥ እሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፥
4
ስለዙይ እንሆ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፥ ድንኳናቶም ክተኽሉልካ፥ ኣብ ማእኸልካውን ሰፈሮም ክሰርሑ ኽውፍየካ እየ፤ ንሳቶም ፍረኻ ኽበልዑ፥ ፀባኻውን ክሰትዩ እዮም።
5
ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፥ ንደቂ ኣሞን ከዓ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
6
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕኻ፥ በእጋርካ ዀደብደብ ስለ ዝበልካ፥ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ፥ ብምድሪ እስራኤል ስለ እተሓጐስካ፥
7
ስለዙይ እንሆ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣለኹ እሞ፥ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፥ ካብ ኣህዛብ ፈልየ ኸፅንተካ፥ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፥ ከጥፍአካውን እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጥ ኢኻ።”
8
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሞኣብን ሰዒርን እንሆ ቤት ይሁዳስ፥ ከም ኵላቶም ህዝብታት እዮም፥ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥
9
ስለዙይ እንሆ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ፥ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታት ክቡራት እታ ምድሪ፥ ካብ ቤት የሺሞት፥ ካብ በዓልሜዎን ካብ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።
10
እቶም ደቂ ኣሞን ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፥ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ኣሞን ዝመፁ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ።
11
ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
12
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኤዶም ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፥ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፥
13
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻብኣ ኸጥፍእ እየ፤ ካብ ቴማን ጀሚረ ፀምፀም በረኻ ኽገብሮ እየ፤ ክሳዕ ዴዳን ከዓ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም ይብል ኣሎ።
14
ኣነ ኸዓ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፥ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ፤ ንሳቶም ንኤዶም ከም ቍጥዓይን መዓተይን ክገብርዋ እዮም፤ ምፍዳይ ሕነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ በቲ ናይ ጥንቲ ፅልኦም ከጥፍኡ ኢሎምስ፥ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፥
16
ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፥ ንከሊታውያን ከዓ ኸጥፍኦም፥ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተረፉ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።
17
ብመዓት ቍጥዓ ኸዓ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ሕነይ ምስ ፈደኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
← Chapter 24
Chapter 26 →