bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 24
Ezekiel 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ መበል ታሽዐይቲ ዓመት፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ፀሓፍ፤ ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም ቀረበ።
3
ነቶም ከዳዕ ቤት፥ ምስላ ንገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድስቲ ሰኽትት፤ ሰኽትቶ ማይ ድማ ግበረሉ።
4
ምታሩ ዅሉ ፅቡቕ ምታር ዘበለ እግርን ክሳድን ናብኡ ኣክቦ፤ በቲ ሕሩይ ዓፅሚውን ምልኣዮ።
5
ካብቲ መጓሰ ኸዓ ዝተመረፀ ውሰድ፤ ነቲ ዓፅሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕፅምቲ ምእንቲ ኽበስል ኣፀቢቕካ ኣፍልሓዮ።”
6
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዓገት ድስቲ፥ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! ነቲ ጉማድ ብጉማዱ ኣውፅኣዮ፤ ዕፃ ኣይወደቖን።
7
ደማ ኣብ ማእኸላ እዩ እሞ፥ ኣብቲ ልሙፅ ኰዅሒ ሓደገቶ፤ ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣየፍሰሰቶን።
8
ንምልዕዓል ቍጥዓን ንምፍዳይ ሕነን፥ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይኽወል ኣብ ልሙፅ ኰዅሒ ኣፍሰስክዎ።”
9
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነውን ብርቱዕ መጋርያ ኽእጕድ እየ እሞ፥ ነታ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ!
10
ኣዕፃው ኰምር፤ ሓዊ ኣጕድ፤ ነቲ ስጋ ኣፀቢቕካ ኣብስሎ፤ ነቲ መረቕ ኣፍልሓዮ፤ ነቲ ኣዕፅምቲ ኸዓ ኣቃፅሎ።
11
ምእንቲ ኽውዕን፥ እቲ ነሃስ ድማ ኽረስንን፥ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዝዕገት ክመክኽን እቲ ምምራቱ ኸዓ ኽጠፍእንስ፥ ጥራሑ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ።
12
ፃዕራ ኸንቱ እዩ፤ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፥ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ።
13
ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ፤ ኣፅርየክስ ኣይፀረኽን ኢኺ እሞ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክሳዕ ዝወፀልኪ፥ ካብ ርስሓትኪ ኣይትፀርዪን ኢኺ።
14
ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብክዎ፤ ክኸውን እዩ፤ ክገብሮ ድማ እየ፤ ንድሕሪት ኣይምለስን፤ ኣይምሕርን፤ ኣይናሳሕን ድማ እየ፤ ከም መንገድኽን ከም ግብርኽን ክፈርዱኺ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
16
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ድልየት ኣዒንትኻ ብመቕሰፍቲ ኽምንጥለልካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፤ ኣይትብከ፤ ኣይትንባዕውን።
17
ስቕ ኢልካ እህህ በል፤ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፤ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፤ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፤ ከናፍርካ ኣይትሸፍን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትብላዕ።”
18
ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፤ ንምሽቱ ኸዓ ሰበይተይ ሞተት፤ ንፅባሒቱ ድማ ኸምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ።
19
እቲ ህዝቢ እውን “እቲ እትገብሮ ዘለኻስ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ነኣና ኣይትገልፀልናን ኢኻ?” በለኒ።
20
ኣነ ድማ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ ኢለ መለስኩሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ‘እንሆ እታ ሓበን ሓይልኹም፥ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፥ እታ ናፍቖት ነፍስኹም ቤተ መቕደሰይ ከርክሳ እየ፤ እቶም ድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።
22
ንስኻትኩም ከዓ ኸምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም፤ ከናፍርኩም ኣይትኸድኑን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትበልዑን።
23
መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ክኸውን እዩ፤ ዋይ ዋይ ኣይትብሉን፤ ኣይትበኽዩን ከዓ ኢኹም፤ ግናኸ ብሰንኪ ሓጢኣትኩም ክትማስኑ፥ ነንሓድሕድኩም ከዓ እህህ ክትብሉ ኢኹም።
24
ሕዝቅኤል ከዓ ኣርኣያ ክኾነልኩም እዩ፤ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝገበሮ ኽትገብሩ ኢኹም’ እዙይ ምስ መፀ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
25
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ በታ ንሓይሎም ንሓጐስ ክብረቶም ንተድላ ኣዒንቶም ንናፍቖት ልቦምን ንኣወዳትን ንኣዋልድን ደቆም ካብኣቶም ዝወስደላ መዓልቲ፥
26
በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ፥ ኣብ እዝንኻ ኸስምዐካ ኽመፀካ እዩ።
27
በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ምስ መፀ፥ ኣፍካ ክኽፈት እዩ፤ ክትዛረብ፥ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይትኸውንን ኢኻ፤ ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኮኖም ኢኻ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”
← Chapter 23
Chapter 25 →