bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 23
Ezekiel 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ ኽልተ ኣንስቲ ነበራ።
3
እዚኣተን ኣብ ግብፂ ኣመንዘራ። ገና ኣጓላት እንተለዋ ኣመንዘራ ኣጥባተን ዘቐቐ፤ ኣጥባት ድንግልናአን ኣብኡ ተዳህሰሰ።
4
ስማተን ከዓ እታ ዓባይ ኦሆላ፥ እታ ሓፍታ ድማ ኦሆሊባ፥ ይበሃላ ነበራ፤ ናተይ ኮና፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳ፤ ስማተን ከዓ ኦሆላ ሰማርያ እያ፤ ኦሆሊባ ድማ ኢየሩሳሌም እያ።
5
ኦሆላ ኸዓ ናተይ እንተላስ ዘመወት፤ ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ኾነ።
6
ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸደኑ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶምውን መልክዐኛታት ኣጓብዝ፥ ኣብ ኣፍራስ ዝቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ።
7
ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከዓ ኣመንዘረት፤ ፍትወት ኣብ ዝተልዓላ ድማ፥ ምስ ኵሎም ጣዖታቶም ረኸሰት።
8
ምስ ናይ እዙይ ከዓ ነቲ ምስቶም ብጓላ እንተላ ምስኣ ዝደቀሱን፥ ኣጥባት ድንግልናኣ ዳህሲሶም ዝሙቶም ዘፍሰሱላ ግብፃውያን፥ ምዝማዋ ኣይሓደገትን።
9
ስለዙይ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፥ ብፍትወት ምስኣቶም ነዲዳ ዝነበረት፥ ናብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር ሃብክዋ።
10
ንሳቶም ከዓ ዕርቃና ቐልዑ፤ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፤ ንኣኣ ድማ ብሰይፊ ቐተልዋ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈሪዱ እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ኣንስቲ መመሰሊት ኮነት።
11
“ኦሆሊባ ሓፍታ ኸዓ እዙይ ረአየት፤ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፤ ምንዝርናኣ ድማ ኻብ ምንዝርና ሓፍታ በዝሐ።
12
ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር ኣሕሉቕን ሹመኛታትን፥ ዘሐብን ክዳውንቲ እተኸደኑ፥ ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት ኵሎም መልክዐኛታት ኣጓብዝ ብፍትወት ነደደት።
13
ንሳውን ከም ዝረኸሰት ረአኹ፤ ክልቲአንውን ሓደ መንገዲ ኸዳ።”
14
ንሳ ግና “ብምንዝርናኣ ሕልፍ በለት፤ ኣብ መንደቕ ከዓ ስእሊ ሰብኡት ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተስኢሉ፥ ቅናት ኣብ ሕቘኦም ተዓጢቖም፥ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸዓ ኣብ ርእሶም ገይሮም፥ ኵላቶም መኳንንቲ ኣብታ እተወለዱላ ሃገር ከለዳውያን፥ ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዝመስሉ ረአየት።
16
በዒንታ ምስ ረአየቶም ኣብኣቶም ብፍትወት ነደደት፤ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም።
17
ደቂ ባቢሎን ከዓ ናብኣ መፂኦም ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፤ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ፤ ብኣኣቶም ምስ ረኸሰት፥ ነፍሳ ኻብኣቶም ኣግለሰት።
18
ዝሙታ ምስ ገለፀት፥ ዕርቃና ምስ ቀልዐት፥ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓፍታ ዘግለሰት፥ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት።
19
ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘመንዘረቶ ዘኪራ፥ ምንዝርናኣ ኣብዝሐት።
20
ከም ናይ ኣድጊ ስጋ ዝስጋኦም፥ ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዘርኦም ብኣኣቶም ብፍትወት ነደደት።
21
ከምኡ እቶም ግብፃውያን፥ ኣጥባት ጐርዞነት እንተለኪ ዝዳህሰሱኺ፥ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።”
22
ስለዙይ “ኣቲ ኦሆሊባ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ፥ ከተስአልኪ እየ፤ ክፃረሩኺ ኸዓ ኻብ ኵሉ ወገን ከምፅኦም እየ።
23
ንዅሎም ባቢሎናውያንን፥ ከለዳውያንን ፋቁፅን ሲሔ ቆዓን፥ ምስኣቶም ከዓ ዅሎም ኣሶራውያንን፥ መልክዐኛታት ኣጓብዝ መሳፍንትን መኳንንትን፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ኣሕሉቕን ውሩያትን፥
24
ንሳቶም ኣፅዋርን ሰረገላታትን መንኰራኵርን ሒዞም፥ ምስ ብዙሕ ጉባኤ ኣህዛብ ክፃረሩኺ ኽመፁ እዮም፤ ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም፥ ብዙርያኺ ኽቃወሙኺ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ፍርዲ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ክፈርዱኺ እዮም።
25
ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብመዓት ክወቕዑኺ እዮም፤ ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ክቘርፁ እዮም፤ እቲ ኻባኺ ዝተርፍ ድማ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነወዳትክን ነዋልድክን ክማርኽዎም፥ እቲ ኻባኺ ዝተርፍውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ።
26
ክዳውንትኺ ኽቕንጥጡኺ፥ ክቡር ሽልማትኪ ኽወስዱልኪ እዮም።
27
ኣዒንትኺ ናብኣቶም ቈላሕ ከይተብሊን ድሕሪዙይ ከዓ ግብፂ ኸይትዝክሪን፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።”
28
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ናብ ኢድ እቶም እትፀልእዮም ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኣቶም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፥
29
ብፅልኢ ኽካየዱኺ፥ ኵሉ ፃማ ድኻምኪ ኽወስዱልኪ፥ ዕርቕትን ንበይንኽን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም፤ ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ክግለፅ እዩ።
30
ምስ ኣህዛብ ስለ ዝመንዘርኪ፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዝረኸስኪ፥ እዝ ነገር እዙይ ክወርደኪ እዩ።
31
ብመንገዲ ሓፍትኺ ኸድኪ፤ ስለዙይ ከዓ ኣነ ነታ ፅዋዕ፥ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።”
32
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝኾነት ፅዋዕ ሓፍትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ፤ ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ፥ መስሓቕን መላገፅን ክትኮኒ ኢኺ።”
33
“እታ ፅዋዕ ሓፍትኺ ሰማርያ፥ ፅዋዕ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፥ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ።
34
ኣነ እየ እተዛረብኩ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፥ ክትሰትዪያን ክትጭልጥያን፥ ገልዑ ኸዓ ኽትነኽስን፥ ኣፍ ልብኺ ድማ ኽትስንጥቕን ኢኺ።”
35
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ ረሲዕኽኒ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፥ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ፁሪ።”
36
እግዚኣብሄር ከዓ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ? እምበኣር በደለን ንገረን።
37
ዘምየን እየን እሞ፥ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፤ ምስ ጣዖታተን ዘምየን፥ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን፥ ሓዊ ኽበልዖም ብእኡ ኣሕለፋኦም።
38
ኣብ ርእሲኡውን እዙይ ገበራኒ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣርከሳ፤ ሰናብተይ ከዓ ሰዓራ።
39
ንደቀን ንጣዖታተን ምስ ሓረዳኦም፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸርክሳኣ ናብ መቕደሰይ መፃ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ማእኸል ቤተይ ከምዙይ ገበራ።”
40
ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ “ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ ሰብኡት ለኣኻሎም፤ ልኡኽ ተልኣኮም፤ እንሆውን መፁ፤ ንስኺውን ተሓፀብክሎም፤ ኣዒንትኺ ተዅሓልክሎም፤ ብሽልማትውን ተሸለምክሎም።
41
ኣብ ፅቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ።
42
ኣብኣ ድምፂ ሕጉሳት ሰባት ነበረ፤ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ድማ፥ ሰካራማት ካብ ምድረ በዳ መፁ፤ ንሳቶም ከዓ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፥ ዕፁብ ዘውዲውን ኣብ ኣራእሰን ገበሩ።
43
ሽዑ ኣነ ‘ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝአረገት ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ’ በልኩ።
44
ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዝኣትዉ ናብኣ ኣተዉ፤ ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ።
45
ፃድቃን ሰባት ከዓ፥ ዘመውቲ ስለ ዝኾና፥ ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፥ ከምቲ ንዘመውቲ፥ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዝፍረደን ገይሮም ክፈርድወን እዮም።”
46
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጉባኤ ህዝቢ ኸውፅአለን እየ እሞ፥ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ።
47
ጉባኤ ኸዓ ብእምኒ ወቒዖም ክቐትልወን፥ በስይፍቶም ክቘራርፅወን፥ ነወዳተንን ነዋልደንን ክቐትልዎም፥ ኣባይተንውን ብሓዊ ኸንድዱ እዮም።
48
ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከይገብራ ምእንቲ ኽመዓዳስ፥ ንምንዝርና ኻብታ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ።
49
ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ከንብሩልክን እዮም፤ ሓጢኣት ጣዖታትክን ድማ ኽትፆራ ኢኽን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጣ ኢኽን።”
← Chapter 22
Chapter 24 →