bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 20
Ezekiel 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኮነ ኸዓ፥ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት፥ ኣብቲ ሓምሻይ ወርሒ፥ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፥ ብዙሓት ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ክጥይቑ መፂኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።
2
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
3
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል ‘ክትጥይቑኒዶ መፂእኹም?’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣነ ህያው እየ፥ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም።
4
“ክትፈርዶም ዲኻ? ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርዶም ዲኻ? ርኽሰት ኣቦታቶም ኣፍልጦም።
5
በሎምውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፥ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ዝመሓልኩሎም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ ዝተገለፅኩሎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ ኢለውን ዝመሓልኩሎም፥
6
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።
7
ኣነ ኸዓ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ርኽሰት ዓይኑ ይደርቢ፤ ብጣዖታት ግብፂ ድማ ኣይትርከሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ በልክዎም።
8
ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ርኽሰት ዓይኑ ኣይደርበየን፤ ጣዖታት ግብፂውን ኣይሓደገን፤ ሽዑ ኣብ ማእኸል ምድሪ ግብፂ፥ ቍጥዓይ ክወፀሎምስ መዓተይ ኣብ ልዕሊኣቶም ክኽዑ እየ በልኩ።
9
ግናኸ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነበሩ እሞ፥ ኣነ ንኣኣቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ብምውፅአይ ኣብ ቅድሚኣቶም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት ስመይ ከይረክስ ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
10
“ካብ ሃገር ግብፂ ኸዓ ኣውፃእኽዎም፤ ናብ በረኻውን ኣምፃእኽዎም።
11
ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም።
12
ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም።
13
ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ።
14
ግናኸ ምእንቲ ስመይ፥ ካብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎ ህዝብታት፥ ስመይ ከይረክስ ኢለ፥ ስለ ስመይ እየ ዝገበርክዎ።
15
ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
17
ግናኸ ዓይነይ ራህርሀትሎም እምበር ኣየጥፋእኽዎምን፤ ኣብቲ በረኻውን ፈፂመ ኣይወዳእኽዎምን።
18
ኣብ ምድረ በዳ ኸዓ ንደቆም፥ “ከምቲ ሕግጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፤ ስርዓቶም ድማ ኣይትሓልዉ፤ ብጣዖታቶምውን ኣይትርከሱ።
19
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ከም ሕግጋተይ ተመላለሱ፤ ስርዓተይ ከዓ ሓልዉ፤ ግበርዎውን።
20
ንሰናብተይ ቀድሱ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ክኾና እየን።
21
“ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ።
22
ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፤ ምእንቲ ስመይ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኣቶም ዘውፃእኽዎም ኣህዛብ፥ ስመይ ከይትሓስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
23
ሕግጋተይ ኣበዩ፤ ንሰናብተይ ኣርከሱ፤ ኣዒንቶም ንጣዖታት ኣቦታቶም ሰዓባ እምበር ስርዓተይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፥ ኣነ ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ናብ ሃገራት ክብትኖም እየ፥ ኢለ ኣብቲ ምድረ በዳ መሓልኩ።
25
“ምስ ናይ እዙይ ኣነውን ፅቡቕ ዘይኮነ ሕግጋት፥ ብህይወት ክነብሩሉ ዘይከኣሎም ስርዓታት ሃብክዎም።
26
ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ከባድሞም ኢለ በቲ ዅሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ፥ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎ።”
27
ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ በዙይ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ፀረፉኒ።
28
ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።
29
ኣነ ኸዓ ‘እዝ ናብኡ እትኸድዎ ዘለኹም በሪኽ እንታይ እዩ?’ በልክዎም። በዝ ኸምዙይ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ‘ባማ’ ይብልዎ ኣለዉ።
30
ስለዙይ ንቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ ንስኻትኩም ከም መንገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፤ ነቲ ዘፀይፍ ነገሮም እናሰዓብኩም ዘሞኹም።
31
መባእኹም ክተቕርቡ፥ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኽተሕልፉ እንተለኹም፥ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣዖታትኩም ትረኽሱ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክጥየቕ እየ? ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኣኻትኩም ኣይጥየቕን እየ።
32
ንሕና ኸምቶም ኣህዛብን ዓሌታት ሃገራትን፥ ንዕንፀይትን እምንን ከነምልኽ ኢና፥ ዝብል ሓሳብ ልብኹም ኣይፍፀመልኩምን።”
33
“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን ርግፅ ክነግሰኩም እየ።
34
ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን፥ ካብቶም ኣህዛብ ከውፅአኩም፥ ካብቲ እተበተንኩምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ።
35
ናብ ምድረ በዳ ኣህዛብ ከዓ ኽወስደኩም፥ ኣብኡውን ገፅ ንገፅ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ።
36
ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ ግብፂ እተፋረድኩ፥ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋረድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
37
“ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፥ ናብ መእሰሪ ኪዳን ከዓ ኸእትወኩም እየ።
38
ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
39
ኣቱም ቤት እስራኤል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስማዕ ካብ ኣበኹምንስ፥ ኪዱ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣዖታትኩም ኣምልኹ፤ ድሕሪዙይ ግና ንቕዱስ ስመይ ብመባእኹምን ብጣዖታትኩምን ኣይተርክስዎን ኢኹም።
40
ኣብቲ ቕዱስ እምባይ ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ኵሎም ቤት እስራኤል፥ ኣብታ ምድሪ ኸምልኹኒ እዮም፤ ኣብኡ ተሓጕሰ ኽቕበሎም እየ፤ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዅሪ እቶት መባእኹምን ምስ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
41
ካብ ኣህዛብ ምስ ኣውፃእኹኹም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፥ ከም ምዑዝ ሽታ ኽቕበለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣህዛብ ከዓ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።
42
ንስኻትኩምውን ናብ ምድሪ እስራኤል፥ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ፥ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኹኹም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
43
ኣብኡ ኸዓ ንመንገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፤ በቲ ዅሉ ዝገበርኩምዎ ንርእስኹም እትፅየፉ ኢኹም።
44
ኣቱም ቤት እስራኤል ከምቲ ክፉእ መንገድኹምን፥ ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኮነስ፥ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
45
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
46
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፥ ናብ ደቡብ ከዓ ቓልካ ኣንጠብጥብ፤ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር በረኻ ድማ ተነበየሉ።
47
ነቲ ዱር ደቡብ ከዓ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣባኻ ሓዊ ኽእጕድ እየ። ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዅለን ጥሉላት ኣእዋምን፥ ንዅሉ ንቑፃት ኣእዋምን ሞዅ ኸብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይጠፍእን፤ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከዓ፥ ኵሉ ገፅ ብእኡ ኽነድድ እዩ።
48
ኵሉ ስጋውን እቲ ዝኣጐዶስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽርኢ እዩ።”
49
ሽዑ ኣነ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ወዮ! ‘ንሳቶም ብዛዕባይ፥ ምስላታት እዩ ዝምስል’ ይብሉ ኣለዉ” በልኩ።
← Chapter 19
Chapter 21 →