bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 21
Ezekiel 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፤ ቃልካ ኸዓ ናብቲ ቅዱስ ስፍራታት ተናገር፤ ንምድሪ እስራኤል ከዓ ኣንፃራ ተነበየላ።
3
ነታ ሃገር እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ እኒሀኹ ኣንፃርኪ እየ፤ ሰይፈይ ከዓ ኻብ ሰገባኡ ኽመዞ፥ ካባኺውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ከጥፍእ እየ።
4
ንፃድቃንን ሓጥኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ስለዙይ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ፥ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን፥ ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኽምዘዝ እዩ።
5
ስጋ ዝለበሱ ዅሎም ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣይምለስን ድማ እዩ።”
6
“ስለዙይ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቈዝም፤ ሕቘኻ ብምጕባጥ ኣምሪርካ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ብኸ።
7
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ‘እንታይ ኴንካ ትቝዝም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝመፅእ ወረ ልቢ ኽመክኽ፥ ኵለን ኣእዳው ድማ ኽለምሳ እየን፤ ኵሉ መንፈስ ከዓ ኽሕለል፥ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፥ በሎም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ፤ ክፍፀም ድማ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
8
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
9
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በልውን፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰይፊ! ሰይፊ! በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ፤” በል።
10
“ምእንቲ ኽሓርድ በሊሑ፥ ምእንቲ ማሕማሕ ክብል ተወልዊሉ፤ እምበኣርከስ ብእኡዶ ኽንሕጐስ ኢና? በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕፃው ትንዕቐን ኣላ።
11
ብኢድ ምእንቲ ኽተሓዝ ክውልወል ሃቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኽውፈ ተስሓለን ተወልወለን።
12
ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዙይ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣእዊ፤ ዋይ ዋይ ከዓ በል፤ ንሳቶም ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተውሂቦም እዮም፤ ስለዙይ ሰለፍካ ውቓዕ።
13
ፈተና መፀ፤ እታ ዝተንዓቐት በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ እንታይ ደኣ እዩ?” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
14
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በእዳውካ ኸዓ ኣጣቕዕ፤ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይደጋግም፤ ዝኸቦም ናይቲ ዝተቐትለ ዓብዪ ሰብ ሰይፊ እዩ።
15
ልቦም ምእንቲ ኽመክኽ ዕንቅፋቶም ከዓ ኽበዝሕስ፥ ዝቐትል ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደገታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ፤ ወዮ! ኸም በርቂ መስመስ ይብል፤ ክሓርዱሉ ኸዓ ተስሒሉ ኣሎ።
16
ተዳሊኻ፥ ገፅካ ናብ ዝፈተዎ ንየማን ወይ ንፀጋም ኪድ።
17
ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፥ ሕነ መዓተይውን ከምፅእ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”
18
መሊሱውን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
19
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዝሓልፈለን ክልተ መንገዲ ንኣኻ ግበር፤ ክልቲአን ካብ ሓደ ምድሪ ይውፅኣ፤ ምልክት ከዓ ግበር፤ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መንገዲ ግበሮ።
20
ሰይፊ ናብ ራባት፥ ናይ ደቂ ኣሞን፥ ናብ ይሁዳ ኸዓ ናብታ ዕርድቲ ኢየሩሳሌም ክመፅእስ መንገዲ ኽትገብር ኢኻ።
21
እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፥ ኣብታ ቐራና መንገዲ ኣብ ርእሲ ኽልቲአን መንገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፤ ፍላፃታት የንበጥብጥ፤ ንጣዖታት ቤቱ ይጥይቕ፤ ንኸብዲውን ይጥምት ኣሎ።
22
ኣብኡ መፍረሲ ዕርዲ ኽተክል፥ ንፈኸራ ውግእ ኣፉ ክኸፍት፥ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኽጭድር፥ ኣብ መንፅር ደገታት ከዓ መፍረሲ ዕርዲ ኸቕውም፥ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኽነድቕ፥ ኣብ የማነይቱ ናብ ኢየሩሳሌም እተመልክት ዕፃ ነበረት።
23
ማሕላ ምሒሎም እናሃለዉስ፥ እዝ ጥንቈላ እዙይ ሓሰት ኮይኑ ኽረኣዮም እዩ፤ ንሱ ግና ምእንቲ ኽትሓዙ ሓጢኣቶም ከዘክር እዩ።
24
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ገበንኩም ተቐሊዑ፥ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩ፥ ሓጢኣቱ ስለ ዘዘከረኩም ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብሓያል ኢድ ክትተሓዙ ኢኹም” ይብል ኣሎ።
25
“ኣታ በዝ ሓጢኣትካ ዝፍፀመሉ፥ ጊዜ መዓልትኻ ዝበፅሐ ርኹስ ሓጥእ ሓለቓ እስራኤል፥
26
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዘውዲ ቐንጥጥ፤ ኣኽሊል ኣውፅእ፤ እዙይ ከም ዘለዎ ኾይኑ ኣይነብርን እዩ፤ እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፤ እቲ ልዕል ዝበለ ኸዓ ይዋረድ።
27
ጥፍኣት! ጥፍኣት! ጥፍኣት ካባይ ክመፃ እዩ፤ እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዝመፅእ እዙይ ኣይነብርን እዩ።”
28
ንስኻ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣሞንን ብዛዕባ ፀርፎምን ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ትንቢት ተናገር፤ በልውን፦ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዝ ሓጢኣት ዝፍፀመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበፅሐ ቕቱላት ሓጥኣን ከንብሩኽስ ከንቱነት ክሪኡልኪ ጥንቈላ ሓሰት ከዓ ኽናገሩልኪ እንተለዉ ሰይፊ፥ ሰይፊ፥ ተመሊሑ ኣሎ፤ ክሓርድን ክጐምድን መስመስ ክብልን ተወልዊሉ ኣሎ።
30
“ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፤ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ ኣብታ እተወለድካላ ምድሪ ኽፈርደካ እየ።
31
ንቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፥ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፥ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።
32
ብልዒ ሓዊ ኽትከውን ኢኻ፤ ደምካ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኽፈስስ እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ ዝዝክረካ የለን።”
← Chapter 20
Chapter 22 →