bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 19
Ezekiel 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንስኻ ኸዓ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፤ በል ድማ፦
2
እኖኻ እንታይ ነበረት? ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት፤ ኣብ ማእኸል ኣናብስውን ተጋደመት፤ ኣብ ማእኸል ሽደናት ኣናብስ ንዀራዅራ ኣዕበየቶም።
3
ንሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፤ ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤ ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።
4
ህዝብታት ብዛዕባኡ ሰምዑ፤ ኣብ ጕድጓዶም ከዓ ተትሓዘ፤ ብሰንሰለት ገይሮም ናብ ሃገር ግብፂ ወሰድዎ።
5
ትፅቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረአየት፥ ተስፋ ኸዓ ምስ ቀበፀት፥ ካብ ኰራዅራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፥ ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።
6
ኣብ ማእኸል ኣናብስ ተመላለሰ፤ ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤ ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።
7
ንኣዳራሻቶም ኣፍረሰ፤ ንከተማታቶም ኣዕነወ፤ ኢር ኢሉ ምስ ጓዘመ፥ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ።
8
ሽዑ ኻብቲ ኣብ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ኣህዛብ ተኣከቡ፤ መርበቦም ዘርግሑሉ፤ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተትሓዘ።
9
ብሰንሰለት ኣሲሮም ኣብ ቆፎ ኣእተውዎ፤ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ፤ ድምፁ ኣብ እምባታት እስራኤል ድሕሪዙይ ከይስማዕ፥ ኣብ ፅኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።
10
እኖኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት፤ ሳላ ብዝሒ ማያት እትጥጥዕ ሃረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ኾነት።
11
ንበትሪ መንግስቲ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውፅአት፤ ጕንዳ ኣብ ማእኸል ፅቡቕ ኣቝፅልቲ ነውሐ፤ ነዋሕን ሃረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፥ እትረአ ኾነት።
12
ግናኸ ብቝጥዓ ተበቈሰት፤ ኣብ ምድሪ ኸዓ ተደርበየት፤ ንፋስ ምብራቕ ድማ ንፍሪኣ ኣንቀፆ፤ ድልዱል ጨናፍራ ተሰባቢሩ ነቐፀ፤ ሓዊውን በልዖ።
13
ሕዚ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣፃምእ ተተኺላ ኣላ።
14
ካብ ጨናፍር ሓረጋ፥ ሓዊ ወፀ፤ ንፍሪኣ ኸዓ ሞዅ ኣበሎ፤ ዘንጊ ገዛኢ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፤ ከም መልቀስ ትለቐስ።
← Chapter 18
Chapter 20 →