bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 18
Ezekiel 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ስለ ምንታይ ኢኹም ኣብ ምድሪ እስራኤል፥ ‘ኣቦታት መፂፅ ዘቢብ በልዑ እሞ፥ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸወ’ ኢልኩም እትምስሉ?
3
“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ እዝ ምስላ እዙይ ድሕሪዙይ ኣብ እስራኤል ኣይትምስልዎን ኢኹም።
4
እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
5
“ፃድቕ ሰብ እንተ ሃለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥
6
ኣብ እምባታት እንተ ዘይበልዐ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ እንተ ዘይበላ፥ ሰበይቲ ብፃዩ እንተ ዘየርከሰ፥ ብጊዜ ፅጊኣ ኸዓ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ፥
7
ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዐን፥ ንበዓል ዕዳ ትሕጃ እንተ መለሰሉ፥ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመፀ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ እንተ ሃበ፥ ንዕሩቕ ከዓ ኽዳን እንተ ኸደነ፥
8
እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሀረፀን ኢዱ ኻብ ዓመፅ እንተ ኸልከለ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ከዓ ቕንዕና እንተ ፈረደ፥
9
ብሕግጋተይ እንተ ተመላለሰ፥ ፅድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሓለወ፥ ንሱ ፃድቕ እዩ፤ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10
“ግናኸ ንሱ፥ ዓማፂ፥ ደም ዘፍስስ፥ ካብዝ ነገር እዙይ ከዓ ዝኾነ ኻልእ ዝገብር ውሉድ እንተ ወለደ፥ ፃድቕ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ዘይገብር፥ ኣብ እምባታት ዝበልዕ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘርክስ፥
12
ንምስኪንን ንድኻን ዝገፍዕ፥ መንዚዑ ዝወስድ፥ ትሕጃ ዘይመልስ፥ ኣዒንቱ ናብ ጣዖታት ዝጥምት፥ ፅዩፍ ነገር ዝገብር፥
13
ዘኻዕብትን ዘህርፅን ንሱዶ ብህይወት ክነብር እዩ? ንሱ ኣይነብርን፤ እዝ ዅሉ ፅዩፍ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥ ሞት ክመውት፥ ደሙ ኸዓ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ።
14
“እንሆ ኸዓ፥ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት ሪኡ ዝፈርሕን፥ ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፥
15
ኣብ እምባታት ዘይበልዕ፥ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣዖታት ቤት እስራኤል ቈላሕ ዘየብል፥ ሰበይቲ ብፃዩ ዘየርክስ፥
16
ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፥ ትሕጃ ዘይሕዝ፥ መንዚዑ ዘይወስድ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ ዘብልዕ፥ ንዕሩቕውን ክዳን ዝኸድን፥
17
ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዝመልስ፥ ሃረፃን ወለድን ዘይወስድ፥ ፍርደይ ዝገብር፥ ብሕገይ ዝመላለስ፥ ንሱ ብህይወት ይነብር እምበር፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦኡ ኣይመውትን እዩ።
18
ኣቦኡ ዓመፀኛ ስለ ዝነበረ፥ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድአ፥ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኸዓ ሰናይ ዘይኮነ ስለ ዝገበረ፥ እንሆ ብበደሉ ኽመውት እዩ።
19
“ንስኻትኩም ግና ‘ስለ ምንታይ እዩ፥ እቲ ወሉድስ ሓጢኣት ኣቦኡ ዘይፀውር?’ ትብሉ ኣለኹም፤ እቲ ውሉድ ቅንዕናን ፅድቅን ገይሩ፥ ንዅሉ ሕግጋተይ ሓልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፥ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።
20
እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን።
21
“ግናኸ እቲ ሓጢኣተኛ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ኵሉ ሕግጋተይ ከዓ እንተ ሓለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ድማ እንተ ገበረ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን እዩ።
22
ካብቲ ዝበደሎ በደልስ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከረሉን፤ በቲ ዝገበሮ ፅድቂ ብህይወት ክነብር እዩ።
23
ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24
“እቲ ፃድቕከ ኻብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ፥ ከምቲ ሓጢኣተኛ ዝገብሮ ዅሉ ፅያፍ ነገርውን እንተ ገበረ፥ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ? ኻብቲ ዝገበሮ ፅድቂ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከርን እያ፤ በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ።
25
“ንስኻትኩም ግና፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ኣቱም ቤት እስራኤል እስኪ ስምዑ፤ መንገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን?
26
ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ በደል እዩ ዝመውት።
27
ግናኸ እቲ ሓጥእ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ከዓ እንተ ገበረ፥ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ከንብራ እዩ።
28
ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ በደል ኣስተንቲኑ ስለ ዝተመለሰ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን።
29
ግናኸ ቤት እስራኤል፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፥ ይብሉ ኣለዉ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ብሓቂዶ መንገደይ እዩ ዘይቅኑዕ? ዘይቅኑዕስ መንገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኮነን?”
30
ስለዙይ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም መዐንቀፊ ኸይኾነኩምስ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ተመለሱ።
31
ነቲ ዝበደልኩምዎ በደል ካባኻትኩም ደርብዩ፤ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ንኣኻትኩም ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይ እትሞቱ?
32
ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 17
Chapter 19 →