bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 17
Ezekiel 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ ንገሮም፤ ምስላውን መስለሎም።
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ ገዚፍ ዘኽናፉ፥ ነዊሕ ዝመንገብገቡ ዝንጕርጕር ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ናብ ሊባኖስ መፀ እሞ፥ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ፅሕዲ ወሰደ።
4
ነቲ ርእሲ ጨንፈር ሰልዖ፤ ናብ ምድሪ ከነዓንውን ወሰዶ፤ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸዓ ኣንበሮ።
5
ካብታ ምድሪ ድማ ፈልሲ ወሰደ፤ ኣብ ፍርያም ግራት ከዓ ተኸላ፤ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ኸም ኲሓ ገይሩ ስፍራ ኣትሓዛ።
6
ንሳ ዓበየት፤ ጨናፍራ ናብኡ ሱራ ኸዓ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፥ ሓፂር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ኾነት፤ በዝ ኸምዙይ ጨንፈር እትጭንፍርን ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ኾነት።
7
“ገዚፍ ዝኽንፉ፥ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ድማ ነበረ፤ እንሆ ኸዓ፥ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፥ ንሱ ማይ ከስትያ ኢላ፥ ካብቲ እተተኸለቶ ቦታ፥ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሐት፤ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣስፍሐት።
8
ጨናፍር ምእንቲ ኽተውፅእ፥ ፍረ ኽተፍሪ፥ ክብርቲ ኦም ወይኒ እውን ክትከውንስ፥ ኣብ ፅቡቕ ግራት፥ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።”
9
በለ ድማ፥ “ክተልምዕዶ እያ? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ምእንቲ ኽትነቅፅስ ሱራዶ ኣይንቀልን? ፍሪኣኸ ኣይቝረፅን ድዩ? እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘፅልኸ ኣይነቅፅን ድዩ? ሱራ ንምብቋስ፥ ሓያል ቅልፅምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ።
10
እንሆ ምትካልስ ተተኺላ ኣላ፤ እሞ ኽትለምዕ ድያ? ንፋስ ምብራቕ ምስ ነኽኣኸ፥ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይትነቅፅን እያ? ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅፅ እያ።”
11
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦
12
“እምበኣርከስ ነዝ ዓማፂ ቤት እዙይ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። ንገሮም ድማ፥ “እንሆ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ንንጉሳን መሳፍንታን ማሪኹ፥ ናብኡ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
13
እታ መንግስቲ ኽትሓምቕ እሞ ኸይትትስእ፥ ብምሕላው ኪዳና ኸዓ ምእንቲ ኽትቀውምስ፥ ካብ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ወሲዱ፥ ምስኡ ኺዳን ኣተወ፤ ማሕላ ድማ ኣምሓሎ፤ ነቶም ኣውራታት እታ ምድሪ እውን ምስኡ ወሰዶም።
15
ግናኸ ንሱ ኻብኡ ኸድዐ፤ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ክህብዎ፥ ልኡኻቱ ናብ ግብፂ ሰደደ፤ ክሰልጦ ድዩ? ኸምዙይ ዝበለ ዝገብርከ ኸምልጥ ድዩ? ጠላሚ ኺዳንከ የምልጥ ድዩ?
16
“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፥ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ ኺዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፥ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ማእኸል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ።
17
ብዙሕ ሰብ ክቐትሉ ኢሎም፥ ዕርዲ ኽዕርዱን ግንቢ ኽሰርሑን እንተለዉ ፈርዖን ከዓ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኮይኑ፥ ኣብ ውግእ ኣይረድኦን እዩ።
18
ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፥ ኢድ ጠቒዑ እዝ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፥ ኣየምልጥን እዩ።”
19
ስለዙይ “ኣነ ህያው እየ፤ እቲ ዝነዓቖ ማሕላይን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን፥ ብርግፅ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
20
“መርበበይ ክዝርግሐሉ እየ፤ ብመፈንጠረይ ከዓ ኽተሓዝ እዩ፤ ናብ ባቢሎን ድማ ኽወስዶ፥ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዓመፀሉ ዓመፃ ኽፋረዶ እየ።
21
እቶም ዝሃድሙ ዅሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኽወድቁ፥ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዝረዉ እዮም” ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝተዛረብኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
22
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ኸዓ ኻብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ፅሕዲ ጨንፈር ወሲደ ኸንብሮ እየ፤ ካብቲ ላዕለዋይ ጠጥዒ፥ ሓንቲ ለይለይ እትብል ሰሊዐ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ እምባ ኽተኽላ እየ።
23
ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽላ እየ፤ ክትጭንፍርን ክትፈርን ግሩም ዝኾነት ፅሕዲውን ክትከውን እያ፤ ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወንን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍራውን ይሰፍራ እየን።
24
ኵለን ኣእዋም በረኻ ከዓ፥ ነታ ነዋሕ ኦም ትሕት ዘበልኩ፥ ነታ ትሕት ዝበለት ኦም ከዓ ልዕል ዘበልኩ፥ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀፅኩ፥ ነታ ንቕፅቲ ኦም ከዓ ዘጠጣዕኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ኣነውን ክገብሮ እየ።”
← Chapter 16
Chapter 18 →