bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 16
Ezekiel 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኢየሩሳሌም ርኽሰታ ኣፍልጣ፤”
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከምዙይ ይብል ኣሎውን በላ፦ “ዘርእኽን ትውልድኽን ካብ ምድሪ ከነዓናውያን እዩ፤ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፤ እኖኺ ኸዓ ኬጢያዊት እያ።
4
“በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትብቲ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፤ ምእንቲ ኽትፀርዪውን ብማይ ኣይተሓፀብክን፤ ብጨው ኣይተቐባእኽን፤ ብጨርቂውን ኣይተጠቕለልክን።
5
በታ ዝተወለድክላ መዓልቲ፥ ነፍስኺ ስለ ዝተንዓቐ፥ ኣብቲ ጋሕ ዝበለ በረኻ ተደርበኺ፤ ሓደ እኳ እዙይ ክገብረልኪ ኢሉ፥ ራህሪሁ ብለውሃት ቈላሕ ዝበለኪ ዓይኒ የለን።
6
“ብኣኺ እንትሓልፍ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ እንተለኺ ኸዓ ረአኹኺ እሞ፥ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ፤ እወ፥ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ።
7
ከም በቝሊ ገራሁ ኣእላፋት ገይረ ኣብዛሕኹኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፤ ዓበኺ፤ የመና ኸዓ መልካዕኺ፤ ኣጥባት ኣውፃእኺ፤ ፀጕርኺውን በቘለ፤ ግናኸ ንስኽስ ጥራሕኽን ዕርቕትን ነበርኪ።
8
“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9
“ብማይ ሓፀብኩኺ፤ ካብ ደምኪ ኣፅረኹኺ፤ ብዘይቲ ድማ ቐባእኩኺ።
10
ብወርቀ ዘቦ ዝተጠልፈ ኸደንኩኺ፤ ብቘርበት ኣቆስጣ ሳእኒ ገበርኩልኪ፤ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፤ ብሃሪውን ከደንኩኺ።
11
ሽልማት ሸለምኩኺ፤ ኣብ ቀላፅምኪ ኣምባር፥ ኣብ ክሳድኪ ኸዓ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ።
12
ቀለበት ኣብ ኣፍንጫኺ፥ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፥ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።
13
በዝ ኸምዙይ ብወርቅን ብሩርን ተሸለምኪ፤ ሻሽን ሃርን መርገፍን ተወንዘፍኪ፤ ፍቱግ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኺ። የመና መልካዕኺ፤ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከዓ በፃሕኺ።
14
በቲ ኣነ ዝሸለምኩኺ ግርማ፥ እቲ መልክዕኺ ፍፁም ኮይኑ እዩ እሞ፥ ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
“ንስኺ ግና ብመልክዕኺ ተኣመንኪ፤ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፤ ንዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ንእኡ ኽትኮኒ ምንዝርናኺ ኣብዛሕኺ።
16
ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፥ ብዝንጕርጕር ክዳን ዘጋየፅክዮም መስገዲታት በረኽቲ ስፍራ ንባዕልኺ ሰራሕኺ፤ ኣብኡውን ኣመንዘርኪ፤ ከምዙይ ዝበለስ ኣይተገብረን፤ ደጊምውን ኣይግበርን እዩ።
17
እቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ፅቡቕ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ኣልዒልኪ፥ ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፤ ምስኣቶም ድማ ኣመንዘርኪ።
18
ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ኸደንክዮም፤ ዘይተይን ዕጣነይን ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረብኪ።
19
ነቲ ኣነ ዝሃብኩኺ እንጀራ፥ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዝነበርኩ ፍቱግ ሕሩጭ ስርናይን ዘይትን መዓርን፥ ንመዓዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኣቶም ቀረብክዮ፤ እዙይ ተገይሩ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
20
“ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከዓ ምእንቲ ኽውሕጥዎም፥ ኣልዒልኪ ሰዋእኽዮም፤ ንደቀይ ሓሪድኪ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፈኽዮምስ እዝ ምንዝርናኽዶ ውሒዱኪ እዩ?
22
ኣብ ኵሉ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን እንተለኺ፥ ነቲ ጥራሕኽን ዕርቕትን ኴንኪ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን።”
23
“ድሕሪ እዝ ኵሉ ኽፍኣትኪ ወይለኺ! ወይለኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24
ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ ብዅሉ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኺ።
25
ኣብ ኵሉ ወሰን መንገዲ ልዕል ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፤ ንመልክዕኺ ኣፈንፈንክዮ፤ ንዅሉ ሓላፊ መንገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርአኺ፤ ምንዝርናኽውን ኣብዛሕኺ።
26
ምስቶም ስጋኦም ዝገዘፈ ጐረባብትኺ ግብፃውያን ዘሞኺ፤ ቍጥዓይ ንምልዕዓል ከዓ ዝሙትኪ ኣብዛሕኺ።
27
ስለዙይ “እንሆ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኹ፤ ንምግብኺ ኸዓ ኣጕደልክዎ፤ ንፍቓድ እተን ዝፀልኣኺ በቲ ርኹስ መንገድኺ ዝሓፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፈኹኺ።
28
“ኣይፀገብክን እሞ፥ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ፤ ምስኣቶም ድማ ዘሞኺ፤ ኣይፀገብክንውን።
29
ምስ እዙይ ከዓ፥ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ከነዓን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኺ፤ ግናኸ በዙይውን ኣይፀገብክን።”
30
ኵሉ እዝ ግብሪ እዙይ “እታ ዘይትሓፍር ኣመንዝራ እትገብሪ፥ ኣብ ኵሉ ወሰን መንገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ ኣብ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፥ ዋጋ ስለ ዝነዓቕኪ ኸም ካልኦት ኣመንዝራታት ኣይነበርክን፤ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ኾን እዩ እቲ ልብኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
32
“ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ኾንኪ።
33
ንዅለን ኣመናዝር ውህብቶ ይወሃበን፤ ንስኺ ግና ንዅሎም ፈተውትኺ ውህብቶ ሃብክዮም። ካብ ኵሉ ወገን መፂኦም፥ ምሳኺ ኽዝምዉ ብውህብቶ ሓባበልክዮም።
34
ንምምንዛር ዝስዕበኪ ዘይብልክስ፥ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ፤ ንስኺ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ውህብቶ ምቕባል ምእንቲ ኸተመንዝሪ ውህብቶ ሃብኪ፤ ካልኦት ዘይገበራኦውን ገበርኪ።”
35
ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤
36
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኽዓወ፥ ነውርኺ ኸዓ ስለ ዝተቐልዐ፥ ብሰንኪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣዖታትክን፥ ብሰንኪ እቶም ንኣኣቶም ዝወፈኽዮም ደም ደቅኽን፥
37
ስለዙይ እንሆ፥ ንዅሎም እቶም ዝፈተኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝፀላእኽዮምን ክእክቦም እየ፤ ካብ ኵሉ ወገን ንምፅራርኪ ኽእክቦም እየ፤ ኵሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቐልዖ እየ።
38
ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ ናይ ቍጥዓን ናይ ቅንኣትን ደም ከምፅአልኪ እየ።
39
ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኸፍርሱ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኽግልብጡ፥ ክዳውንትኺ ኽገፉ፥ ፅቡቕ ሽልማትኪ ኽቕንጥጡ ጥራሕኽን ዕርቕትን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም።
40
“ብዙሓት ሰባት ናባኺ ኸምፅኡ እዮም፤ ንሳቶም ከዓ፥ ብእምኒ ኽቐትሉኺ፥ ብሰይፎም ድማ ኽቘራርፁኺ እዮም።
41
ነባይትኺ ብሓዊ ኸባርዕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኽፈርዱኺ እዮም፤ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፤ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይትህብን ኢኺ።
42
በዝ ኸምዙይ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀልኪ፥ ቅንኣተይ ከዓ ኽርሕቐልኪ እዩ፤ ክሃድእ፥ ብድሕሪዙይውን ኣይቝጣዕን እየ።
43
ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን እሞ፥ ብዅሉ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣቘጢዕኽኒ ኢኺ እሞ፥ እንሆ ኣነውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኪ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ከይትውስኽስ መንገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
44
“እንሆ እቶም ዝምስሉ ዅላቶም ‘ከምታ እኖ፥ ከምኡውን እታ ጓላ’ ኢሎም ብኣኺ ኽምስሉ እዮም።
45
ንስኺ፥ እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝፀልአት ጓል እኖኺ ኢኺ። ንስኺ ሓፍቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝፀልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። እኖኺ ኬጢያዊት ኣቦኺ ኸዓ ኣሞራዊ ነበሩ።
46
“እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ፀጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓፍትኺ ሰማርያ እያ፤ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽተይ ሓፍትኺ ኸዓ ሰዶም እያ።
47
ንስኺ ግና ብመንገደን ኣይከድክን፤ ከምቲ ፅዩፍ ነገረን ከዓ ኣይገበርክን። እዙይ ቀሊሉክስ ብዅሉ መንገድኺ ደኣ ኻብኣተን ገደድኪ።
48
“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰዶም ሓፍትኺ ንሳን ኣዋልድ ደቃን፥ ከምቲ ንስኽን ኣዋልድ ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን።
49
እንሆ እቲ ሓጢኣት ሰዶም ሓፍትኺ እዙይ ነበረ፤ ትዕቢትን ፅጋብ እንጀራን ምዝላልን ስራሕ ምፍታሕን ትህኺትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልድ ደቃን ነበረ፤ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን።
50
ዕቡያት ነበራ፤ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዘፀይፍ ነገር ገበራ፤ እዙይ ምስ ረአኹ ድማ ኣጥፋእኽወን።
51
“ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ርኽሰትኪ ኻብኣተን ኣብዛሕኺ፤ ብዅሉ እቲ ዝገበርክዮ ርኽሰትክውን ነሓትኪ ኣፅደቕክየን።
52
ንስኺ ኸዓ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሸከሚ፤ በቲ ኻብኣተን ዝረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ፥ ንሳተን ካባኺ ይፀድቃ፤ ነሓትኪ ኣፅዲቕክየን ኢኺ እሞ፥ ሕፈሪ ነውርኺውን ፁሪ።”
53
“ነውርኺ ኽትፆሪ፥ በቲ ዅሉ ዝገበርክዮ ኸዓ ኽትሓፍሪ፥ በዝ ኸምዙይ ድማ ኽተፀናንዕየንስ ምርኮኣተን፥ ምርኮ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ እቶም ኣብ ማእኸለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ።
55
ኣሕዋትኪ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን፤ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን።
56
ከምቲ ብኣዋልድ ደቂ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፥ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዘነውራኪ ዝነበራ ኣዋልድ ደቂ ፍልስጥኤማውያንን፥ እተፀረፍክሉ ጊዜ ኽፍኣትኪ ኸይተቐልዐ እንተሎ፥ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓፍትኺ ሰዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተጠቐሰትን።
58
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዓቕኪ ኢኺ፤ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፤ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምንዝርናኽን ርኽሰትክን ትፆሪ ኣለኺ” ይብል እግዚኣብሄር።
60
“ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክሮ፥ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ ኸፅንዐልኪ እየ።
61
ነተን ካባኺ ዝዓብያን ዝንእሳን ኣሕዋትኪ ኽትቅበልየን እንተለኺ ብኺዳንኪ ዘይኮነስ፥ ኣዋልድኪ ክኾና ኽህበኪ እንተለኹ፥ ሽዑ መንገድኺ ኽትዝክርን ክትሓፍርን ኢኺ።
62
ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሓንኪ፥ ካብ ምሕናኽ እተልዓለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍቲ፥ ኪዳነይ ከፅንዐልኪ እየ፤ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 15
Chapter 17 →