bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 15
Ezekiel 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኦም ወይኒ እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግስ፥ ብምንታይ እዩ ኻብቶም ካልኦት ኣእዋም ዝበልፅ?
3
ብእኡ ስራሕ ክሰርሑ፥ ካብኡዶ ዕንፀይቲ ይወስዱ እዮም? ኣቕሓ ኽሰቕሉሉኸ ፀዋሪትዶ ኻብኡ ይወስዱ እዮም?
4
እንሆ ምእንቲ ሞዅ ክብል ናብ ሓዊ ይድርበ፥ እቲ ሓዊ ኸዓ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፤ እቲ ማእኸሉውን ይሓርር፤ ንዝኾነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ?
5
እንሆ፥ ብዳሕናኡ እንተሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፥ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ፥ ከመይ ኢሉ ዝኾነ ስራሕ ክስርሖ ይከአል?”
6
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር፥ ብሓዊ ሞዅ ክብል ዝወፈኽዎ ኦም ወይኒ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኸዓ፥ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
7
ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እየ፤ ካብ ሓዊ ወፁ፤ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም እዩ፤ ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እንተለኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8
ስለ ዝጠለሙ፥ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
← Chapter 14
Chapter 16 →